ነቲ ሱዛን ራይስ፡ ሪቻርድ ሆልብሩክን ኣንቶ ኒለክን ዝጀመርዎ ዶናልድ ያማማቶ ክፍጽሞ ድዩ? ሰመረሃብተማርያም ቶርጓሚ፡ጸጉፍሰሃየ

ኣብ መጨረሽታ ናይ ሚያዝያ 2018 ዶናልድ ያማማቶ ናብ ኤርትራን ጂቡቲን ኢትዮጵያን በጺሑ። ያማማቶ እቲ ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ናብ ኤርትራ ዝበጽሐ ዝለዓለ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ በዓል መዚ ‘ዩ። ኣብ ‘ቲ ዞባ ብዙሕ ዝተቓያየረ ነገራት ይሃሉ እምበር እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ናይ ኣይ-ሰላምኣይ-ኲናት ኩነታት ግን ከም‘ቲ ዝነበሮ‘ዩ ከይተለወጠ ጸኒሑ።

ምስ ‘ቲ ኣብ ‘ዚ ዞባ ዘሎ ርኡይ ናይ ቻይና ወተሃደራዊ ህልውና፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድና ናብ ንቡርን ክትመልሶ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ስለ ዝኾነ ‘ያ ነዚ ሓድሽ ተበግሶ ወሲዳ። ናይ ያማማቶ ተልእኾ እምበኣር ነዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይፖሊ ሲለውጢ ግብራዊ ንምግባር ዝዓለመ ‘ዩ። ዘተኣማምኑ ምንጭታት ከም ዘረጋግጽዎ፡ያማማቶ ኣብ ተልእኾኡ ካብ ክልቲአን መንግስታት መባእታዊ ዝኾነ ደገፍ ከም ዝረኸበ‘ዩ ዝሕበር። እዘን ክልተ መንግስታት ኣብ ‘ቲ መሰረታዊ መትከል ይሰማምዓ ደኣ እምበር፡ነቲ ምምልካትን ዘተ ክቕድም ኣለዎ ወይ ‘ውን ምምልካት ድሕሪ ዘተ ክስዕብ ኣለዎ ዝብል ናይ ቅድሚ 16 ዓመታት ዘየሰማምዐን መርገጺታት ‘የን ደጊመን ኣረጋጊጸን።

ናይ ያማማቶ መገሻ፡ ዋላ ‘ኳ ቅድሚ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምምራጽ ተወጢኑ እንተ ነበረ፡እቲ ዝተፈጥረ ናይ ለውጢ ኣጋጣሚ ካብ ናይ ሰብነት ለውጢ ሓሊፉ ናብ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከም ዝኣንፈተ ዘስምዕ ጦብላሕታ ‘ዩ ኣሕዲሩ። ጠቕላሊ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ኣብ ናይ ጽምብል መዓልቱ “እቲ ዓመታት ዘቑጸረ ዘይምስምማዕ ኣብ መፈጸምትኡን ክበጽሕ ካብ መዓሙቕ ልብና ኢና እንምነዮ፡” ድሕሪ ምባል፡ “መንግስቲ ኤርትራ ‘ውንተመሳሳሊ መርገጺ ንክትወስድ እጽውዕ” ኢሉ።

ዝለዓለ መርኣያ ናይ ቃላት ግብሪ ‘ዩ፡ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ይኹን ኣብ ትሕቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ደሳለኝ ሃይለማርያም ነቲ ብጉልባብ መሬት ዝፈጠርዎ ረጽሚ፡ኣብ ክልቲአን ሃገራት ፍታሕን ክመጽእ ዝገበርዎ ነገር ኣይነበረን። ንስለ ዘረባ ጥራሕ ‘ዮም ዝዛረቡ ነይሮም፡ሓሓሊፎም ‘ውን ብስዉር ይኹን ብቕሉዕ ዘይግሉጽ ታህዲዳት እናገበሩ  የንበድብድዎ ነይሮም ‘ዮም። ኣብ ሚያዝያ 2003 እንተኾነ ‘ውን መለስ ዜናዊ ምትዕርራይ እንተዘይ ተጌሩ ነቲ ውሳነ ክነጽጎ ምዃኑ ኣፈራሪሁ ምንባሩ ክርሳዕ ኣይግባእን። ኣብ 13 ሚያዝያ 2003 እንተኾነ ‘ውን፡ናይ ኢትዮጵያ ናይ ዜና ሚኒስተር ንናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ  ዶብ ኮሚሽን፡ ነቲ ናይ ታሕሳስ 2000 ናይ ኣልጀርስ ስምምዕን ነቲ ናይ 13 ሚያዝያ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነን ብጌጋ ቶርጊምዎ ኢሉ ከሲስዎ ነይሩ እዩ።

እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ናይ ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት ዘሎ ሕማቕ ሃዋሁ፡ዘላቒ ዝኾነ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ናብ ሰላም ዝኣንፈተ ሓድሽን ትስፋውን ኩነታት ክፈጥር ብዙሓት ሰባት ተስፋ ኣምቢሮምሉ ኣለዉ። ከም‘ቲ ክኸይድ ዝጸንሐ ልሙድ  ፖለቲካዊ ጸወታ ክኸውን ግን ኣይግባእን። ኢትዮጵያ ንኣስታት 15 ዓመት መመላእታ ነቲ ዝኾነ ይኹን መፍትሒ ዘየምጽአ  ናይ ዝርርብ መዝሙር ‘ያ ብተደጋጋሚ ክትቃኒ ጸኒሓ። እቲኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ ብኢትዮጵያ እንተደኣ ተረጋጊጹ፡ኤርትራ ‘ውን ኣብ ዝርርብ ክትኣቱ ምዃና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከም ‘ቲ ስነ መጎት ንኹሉ ዝገዝኦ፡ እቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮሚተ ዘሕለፎ  ውሳነ ድማ ገዛኢ ኢዩ። ርግጽ ‘ዩ ኣብ 2003 እቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮሚተ ነቲ “ናይ መጨረሽታን ቀያድን” ውሳኔኡ ምስ ሃበ፡ኤርትራ ‘ውን መርገጺኣ ኣይቀየረትን። ይኹን እምበር ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሕጊ ‘ያ ዘላ ‘ሞ በዚ መዋጽኦ ተሳኢንዎ ዘሎ ኩነታት ቀጥታዊ ዝኾነ ሓላፍነት ኣይትወስድን እያ ተባሂሉ ክጋነን ኣይግባእን።

እዚ ብወገን ኤርትራ ዝወሃብ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ግብረ-መልሲ ግን ምስ ግጉይ ተግባር ክደናገር ኣይግባእን። ኣብ‘ቲ ናይ ኮሚቴ ናይ ሕጊ ኣተረጓጉማ መጺእካ ኤርትራ ኣብ ቅኑዕ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ግጉይ ቦታ እየን ዘለዋ። ኤርትራ ምስ ‘ቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮሚቴ ውሳኔ ሙሉእ ብሙሉእ ክትሰማማዕ ከላ ኢትዮጵያ ግን ኣይተማእዘዘትን፡ እዚ ‘ዩ ድማ እቲ ሓቂ።

እምበኣርከስ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናተዘራረባ እቲ ዶብ ክምልከት ወይ ‘ውን እናተመልከተ ከሎ ክዘራረባ ይኽእላ ዶ? ዝብል ሕቶ ‘ዩ ዘለዓዕል።

ያማማቶ ኸ ኣብ ‘ቲ ናይ ንቕጽናን ጽንዓትን ትርጉም ዝደናገረሉ ባህሊ ኣትዩ ከመይ ‘ዩ ክስጉም?

ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ድሕረ ባይታ፡

ኣብ 1991 ክልተ መሓዙት ውድባት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን (ህግሓኤ) ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን (ህወሓት) ኣብ ኤርትራ ንኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ሓደ እዋን ናብ ስልጣን መጺአን። እዘን ክልተ ውድባት እቲ ንመንግስቱ ኣብ ምዕላው ዝፈጠርኦ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ምትሕብባር መሰረት ክልተኣዊ ዝምድናታተን ኮይኑ ካብ 1991 ክሳብ 1998 ቀጺሉ። ነጸብራቕ ናይ‘ቲ ተጌሩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ቅርበት ድማ እቶም ናይ‘ተ ንክልተ ሃገራት (ኤርትራንኢትዮጵያን) መራሕቲ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂን መለስ ዜናውን ‘ዮም ነይሮም። እዞም ክልተ መራሕቲ፡ብናይ መለስ ነፋሪት ሓቢሮም ይገሹ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓቢሮም ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም የሕልፉ፡መለስ ‘ውን (እቲ ክሳብ ሕጂ ብእንዳ መለስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ኣብ ኣስመራ ናይ ዕረፍቲ ገዛ ነይርዎ ‘ዩ። እንተኾነ ኣብ ዕርክነቶም ካብ ውድድርን ዘይምትእምማን ንዝብገስ ሓደሓደ ዘየረዳድእ ኩነታት ነይርዎም ‘ዩ። ኣብ ግንቦት 6 1998 ድማ እዞም ክልተ መራሕቲ ኣብ ‘ቲ ካብ ናይ ኣፍሪቃ ብዓይነቱ ዝተፈልየን ዝዓበየንን ኹሉ ሓደጋታት ዘቃልዐ ቀታሊ ኲናት ኣትዮም ዓለም ክሳብ እተንቀጥቅጥ ‘ዮም ጌሮማ።

እዚ ኣድላይነት ዘይነበሮ ብምርጫ ዝተወስደ (1998-2000) ናይ ልዕሊ ሰብዓ ሽሕ ሂወት ዝወሰደን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣህዛብ ዘመዛበለን: ብቢልዮናት ዝቑጸር ንዋት ዘብረሰን ኮይኑ ልዕሊ 98,000 ኤርትራውያን ንኢትዮጵያውያን ኮይኖም ናይ ኤርትራ መበቆል ዘለዎም ዘጠረዘን ብኣማእት ሚልዮናት ዶላራት ዝግመትን ብረትን ንግዳዊት ካላቶም ንምዝራፍ  ዘስዓበ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት እተፈጸመ ህልቂት ‘ዩ ነይሩ።

ዓለም ንምኽንያት መበገሲ ናይ ‘ቲ ሃንደበታውን ዓዕናውን ኲናት ክትርድኦ ትጸገም እምበር፡ነቲ እቲ ኲናት ዘኸተሎ ዓዕናዊ ሳዕቤን ግን ኣጸቢቓ ‘ያ ትፈልጦ። መንግስቲ ኣሜሪካ ንክልቲኦም ተጻረርቲ ወገናት ንምሽምጋል፡ከም በዓል ሱዛን ራይስ፡ኣንቶንይ ሌክን ነብስሄር ሪቻርድ ሆልብሩክን ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ወፍያ ‘ያ። ፕረሲደንት ክሊንተን ‘ውን ባዕሉ ነቲ ዘይወተሃደራውንን ቁጠባዊ ዕብየት ዘገልግል ትሕተ ቕርጺ ንከይዓኑ ነቲ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ንኽቋረጽ ሓላፍነትወሲዱ ‘ዩ።

ኣብ ታሕሳስ 12 2000 ዓ.ም. ኤርትራን ኢትዮጵያን ንናይ ኣልጀርስ (ኣልጀርያ) ናይ ሰላም ውዕል ምስ ፈረማ፡እቲ ናይ ባድመን ዛላምበሳን ቡሬን ግንባራት ብሙሉኡ ‘ዩ ሃዲኡ። እዚ ኩነታት ‘ዚ ነቲ ኣብ መንጎ ‘ተን ክልተ ሃገራት ዝነበረ  ናይ ምትሕብባር መንፈስ መሊሱ ብሩህ ዝኾነ መጻኢ ዘተስፉ ‘ዩዝነበረ።

እቲ ናይ ኮሚሽን ዶብ ናይ ምሕንጻጽ ውሳኔ ተቐባልነት ረኺቡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ውሳኔ ንከተግብራ ቅሩብነተን ምስ ገለጻ እቲ ትስፍውነት ዝያዳ’ ዩ እናበረኸ ከይዱ።

እንተኾነ ግን፡መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣተገባብርኡ ዝምልከት ነጥብታት ከተቕርብ ምስ ጀመረት እቲ ኣብ ህዝቢ ትስፍውነት ኣሕዲሩ “ብጽቡቕተኣማንነት” ዝተበገሰ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ከይተተግበረ ተቖጽዩ ተረፈ።

ዋላ ‘ኳ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን እዉጅ ፖሊሲታት (ምምልካት መጀመርታ ስዒቡ ዝርርብን፡ዝርርብ መጀመርታ ስዒቡ ድማ ምሕንጻጽን) ኣብ ሕድሕዶም ፈጺሞም ዘይቃደዉ ኣይኹኑ፡ ምኽንያቱ ዝኾነ ናይ ጎነጽ ሰላማዊ መፍትሒ፡ ኣብ ውዕላት ይኹኑ ስምምዓት ንውሳኔታትን ካብኡ ሓሊፉ ‘ውን ኣብ ዓለምለኻዊ ሕግታት ከይተረፉ ኩሎም ኣባል ሃገራትን ኣተገባብርኦም ዝምልከት ኣብ ጽቡቕ ተኣማንነት ተሞርኪሶም ስለ ዝትርጎሙ ኣዝዩ ተጋኒኑ ክጥመት ዘለዎ ኣይኮነን።

ኣብ ኪጋሊ ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ፡ሞ ኢብራሂም ንናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብዛዕባ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሕድሕደን ዝዋግኣ ዘለዋ ወገናት ሓድሽ ስምምዕ ክግበር ተኽእሎታት እንተሎ ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ፡ “ስምምዓት ይፍረሙ እንተኾነ ፈጺሞም ኣይትግበሩን ‘ዮም፡ካልኦት ተወሰኽቲ ሓደስቲ ስምምዓት ‘ውን ክፍረሙ ኣይጽበን ‘የ፡ ምኽንያቱ ታሪኽ ከም ዝምስክሮ ኣብ ግብሪ ዝውዕሉ የለዉን፡” ክብል ‘ዩ ብቐጥታ መሊስሉ።

ሃይለማርያም ከይተፈለጦ ‘ዩ ብሉጽ ናይ ኤርትራ መርገጺ ተጣባቒ ኮይኑ፡፡

ስምምዕ ኣልጀርስ፡

ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ዳግም መረጋገጺ ናይ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ (ውሓኣ) መቓን ‘ዩ።

ስምምዕ ንቅርጺ ኣተገባብርኡን (1999) ምቁራጽ ተጻብኦታትን (ሰነ 2000። ኣብ መጨረሽታ እቲ ስምምዕ ክልተ ዘይሻራውያን ነጻ ዝኾና ኮሚቴታት፡ናይ ኤርትራ ንኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮሚቴን ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ካሕሳ ኮሚቴን የጠቓልል።

ናይ ኤርትራ ንኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮሚቴ ብናይ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ጠቕላሊ ጸሓፊ፡ንመዘናኡ ዝኾነ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ተወኪሱ ዝቖመት ነጻን ዘይሻራዊትን ኣካል ‘ያ። ሓላፍነታ “ነቲ ኣብ ናይ መግዛእታዊ ውዕላትን (1900፡ 1902 ከምኡ ‘ውን 1908) ምስኡ ዝኸይድ ዓለምለኻዊ ሕግን ኣወሃሂዳ ተግባራዊ ዝኾነ ናይ መግዛእቲ ናይ ዶብ ውዕል ክትሕንጽጽን ከተመልክትን ‘ያ ተመዚዛ (ዓንቀጽ 4.2። ዋላ ‘ኳ ዓንቀጽ 38 (2) ናይ ‘ቲ ቤትፍርዲ ዓለም ለኻዊፍትሒ (ቤ.ዓ.ፍ.) ቅርጻ ነቲ ቤት ፍርዲ ብመሰረት “ፍትሓዊ መለክዒታት” ግዝኣተ ሕጊ ከረጋግጽ ዘፍቅደሉ እንተኾነ፡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኮሚቴ ብመሰረት “ፍትሓዊን ሰናይን ዝኾነ ኣገባብ ክውስን ስልጣን” ኣይሃብኦን።

ክልቲአን ሃገራት (ኢትዮጵያን ኤርትራን) እቲ ውሳኔ ናይ መወዳእታን ቀያድን ክኸውን ተሰማሚዔን ‘የን።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ካርታ ኣሃዱ፡ከም ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮሚቴ ተሓጋጋዚ ኮይኑ እቲ ኮሚቴ ዝጠልቦ ቴክኒካዊ ክእለት ዝሓትት ዕማማት ክፍጽም ‘ዩ ተመዚዙ። እተን ክልተ ሃገራት ድማ “ኣብ መስርሕ ናይ ምሕንጻጽን ምምልካትን ዶብ ምስ ‘ቲ ኮሚቴ ይኹን ምስ ናቱ ክኢላታትን ካልኦት ኣባላቱን ክተሓባበራን፡ናብ ‘ቲ ንሳቶም ዝቆጻጸርዎ ቦታታት ድማ ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ንክመላለሱ ክተሓጋገዛ” እዮም ተሰማሚዖም።  (ዓንቀጽ 4 :14)

ኤርትራን ኢትዮጵያን ይግብኣና እዩ ዝብልኦ ኩሉ ምስ መርትዖታቱ አሰንየን ናብ ዋና ጸሓፊ ኣቕሪበን። እቲ ዋና ጸሓፊ ‘ውን ነቲ ዝቐረበሉ መርትዖታት ኣለልዩ ነቶም ኣብ ክርክር ዘይኣትዉ ናይ ዶብ ክፋላት ኣውጺኡ ነታ ኮሚተ ኣረኪቡ። ዘይ ምስምማዕ እንተ ተረኺቡ ‘ውን እተን ተኽኸራኸርቲ ወገናት ተወሳኺ መርትዖታት ከቕርባ ተፈቒዱለን።

ኣብ 2003 እቲ ናይ ኤርትራን ናይ ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮሚቴ ንምምልካት ዶብ ዝምልከት ናይ መጨረሽታ ውሳኔ ሂቡ። ነቲ ውሳኔ ድማ ንክልቲኤን ተኸራኸርቲ ወገናት፡ንውድብ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ንሕቡራት ሃገራት ብምርካብ ንክምልከት ቅሩብ ኮይኑ። ኢትዮጵያ ነቲ ዝተዋህበ ውሳኔ “ብመትከል” ተቐቢላቶ ከተብቅዕ እቲ ናይ ዶብ ኮሚሽን ነቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ከመልክቶ ተቓዊማ  ንኣስታት 16 ዓመታት ዝኾነ ምዕባለ ኣይተራእየን።

እቲ ናይ ሰንፈላል ቁሩቁስ፡

እዚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ መንግስታት ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገጽ ኮይኑን ጸኒሑን ኣሎ። ኣብ ብዙሕ ውዑይን ዝሑልን ዝኾነ ኩነታት ኣብ ዘሰማምዖም ሓባራዊ ጥቕሚ ብሓደ ኮይኖም ሰሪሖም ‘ዮም። እንተኾነ እቲ ዝድለ ዕርቂ ንከይፍጠር፡ ብድሕሪ ‘ዚ ግዳማዊ ኣንጸባራቒ ውህደት፡ነቲ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ውሑስ ንኸይከውን ዝዓግት ካልእ ጥዕና ኣልቦ ዝኾነ ሓደገኛ ዝምባለ ‘ውን ጸኒሑ ‘ዩ። ኣነ ‘ውን ከም ደራሳይ ናይ ‘ዚ ጽሑፍ፡እቲ ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ ‘ቲ “ምስ ውልቀሰብነት” ተኣሳሲሩ ዝግለጽ ረጽሚ ኣመልኪቱ ‘ዩ ምስ ሞ ኢብራሂም ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ዘማረረ ዝብል ርእይቶ ‘ዩ ዘሎኒ።

ህ.ወ.ሓ.ት.፡ነቲ ናይ ዶብ ግጭት ናይ ትግራዎትን ናይ ኤርትራውያንን ጉዳይ ጥራሕ ጌሮም ‘ዮም ዝርእይዎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም ‘ውን፡ ነቲ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግጭት ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ  “የትግሬ ጉዳይ ነው” ናይ ትግራዎት ጉዳይ ‘ዩ ክብል ‘ዩ ተሰሚዑ። ትግሬ ዝብል ቃል ኣምሓራ ንኤርትራውያንን ንትግራዎትን ብሓባር ከም መጸውዒ ዝጥቀሙሉ ቃል ‘ዩ።

አብ ‘ቲ ጠንቂ ናይ ኤርትራውያን ንኢትዮጵያውያንን ናይ ዶብ ውግእ ኣዕሚቕና ከይኣተና፡ ኤርትራ ነቲ ዝተኸስተ  ኣዝዩ ንእሽቶን ጦርቋሽን ውግእ ናብ መጠነ ሰፊሕ ኲናት ክዓርግ ምግባራ ብዘየወላውል መንገዲ ‘ዩ ክግለጽ ዝኽኣል። ኣብ ርእሲ ‘ዚ ‘ውን እቲ ናይ ሀይግ ውሳኔ፡ነታ መበገሲ ናይ ኲናት መወልዒ ዝኾነት ባድመ ብኢትዮጵያ ምትሓዛን ኤርትራስ ጉምቲ ንክትወስድ ከም ዝደፍኣ እዩ ኣርእዩ።

እቲ ኲናት ምስ ተወልዐ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ኤርትራ ከይደንጎየት ‘ያ ናይ ሰላም እማመ ሒዛ ቀሪባ። ብወገን ኢትዮጵያ ነቲ ብኤርትራ ዝተወስደ ቅልጡፍ ተበግሶ ከም መረጋገጺ ከም ‘ቲ ናይ “መጀመርታ ቶኪስካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታው” ዝብል ሓደገኛ ናይ ኤርትራ ባህሪ ጌራ ‘ያ ወሲዳቶ። ከም ‘ቲ ከሰልን ፈኸም ዕንጸይቲ ድማ ንባርዕ፡እታ ተናኻሲት ኤርትራ ነቲ ጎንጺ ንክትውልዖ። “ከሰል ንጓህሪ ዕጨይቲ ንሓዊ ኸምዚኸውን፡ናግራም ሰብኣይ ከኣ ከምኡ ባእሲ የሳውር።” (ምሳሌ26:21)

ብናይ ኢትዮጵያ ኣገላልጻ ኤርትራ ብናይ ፍርዲ ድሕሪ መቕጻዕቲ ፍትሒ ገበነኛ ‘ያ። እዚ ማለት እቲ ክሱስ ምስ ተሓንቀ ብድሕሪኡ ‘ዩ ፍርዲ ዝወሃብ ንምባል ‘ዩ። ካብ ‘ዚ ተበጊሶም ‘ዮም ኢትዮጵያ ኣብ ‘ቲ እዋን ኲናት “እቲ ቃልሲ እናተኻየደ ዝርርብ፡ እናተዘራረብና ድማ ንቃለስ” ኢሎም ጸቒጦም ዝረገጹ።

ኩሎም ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ ናይ ሰላም እማመታት ካብ መትከል ዘይኮነ፡ኣብ ወተሃደራዊ ገስጋሶም ማዕረ ክንደይ የዐውቶም እናመዘኑ ተቐቢሎሞን ነጺጎሞን ‘ዮም።

ብናይ ህዝቦም ሂወት ዋጋ ኣብ ናይ ኲናት ሰንፈላል ቁሩቁስ ጸወታ ‘ዮም ኣትዮም።

ሕጂ ኢትዮጵያ እናተዘራረበት ምምልካት ክግበር ወይ ‘ውን እናተመልከተ ምዝርራብ ክትገብር ትኽእልዶ?

ኤርትራ ነቲ ምስ ዓለም ዘለዋ ዘይትስፍው ታሪኽ ክትጸቕጦ ኣይትኽእልን ‘ያ። ኣብ 70 ዓመት ዘይመልእ ግዜ፡ህዝቢ ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኣሜሪካን ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብን ክልተ ግዜ ተቐሺሹ ‘ዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ‘ውን፡ ንኢትዮጵያ ምቹእ ኣብ ዘይኮነ ኩነታት ዓለም ኣብ ጎኖም ደው ኢላ ነቲ ቅኑዕ ዝኾነ ስጉምቲ ክትወስድ ኣይጽበዩን ‘ዮም።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንጻር ዴስነት ጥራሕ ዝቐንዐ ናይ ቀደም  ሓደ ጎድናዊ ኣመለኻኽታ፡ሕጂ በቲ ኲናት ኣንጻር ግብረሽበራ ዝብል ቃልሲ ተተኪኡ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ነዚ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝካየድ ኲናት ብናይ ምትሕግጋዝ ምሕዝነት ጽምዶ መዝሚዛ ኣብ ረብሓኣ ኣውዒላቶ ኣላ።

ናይ ኤርትራ መራሕትን ዲፕሎማሰኛታትን ቀም ኣቢሎም ገና ኣይተበራበሩን ዘለዉ፡ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ብድሆ ክገጥምዎ ኣይከኣሉን።

ናይ ኢትዮጵያ ምዕቡል ዲፕሎማስያዊ ሽጣራታት ነቲ ናይ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ መናወራ ፈጺሙ ዓብሊልዎ ‘ዩ። ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተዋሕሰ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተወስደ ናይ እገዳ ስጉምቲ- ኤርትራ ኣብ ናይ ሶማል ጉዳይ ኢዳ ኣእትያ ተባሂሉ ዝተወስደ ደሓር ግን ነቲ እገዳ ንክቕጽል ብናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ክኢላታት መጋባእያ መርትዖ ዘይተረኸበሉ ናይ ኣጽዋር እገዳ- ተግባራዊ ንክኸውን ኢትዮጵያ ዓቢ ተራ ተጻዊታ ‘ያ።

ያማማቶ ነዚ ናይ ኤርትራ እገዳ ንክለዓል ተበግሶ ክወስድን፡ካብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ድማ መጎስን ጽቡቕ ስምን ከትርፈሉ ይኽእል እዩ።

ኤርትራ ኣብ ዓለም፡ብከም ሓንቲን ናይ ደገ ጽልዋ እትጻባእ ዕጽውቲ ሃገር እያ እትፍለጥ። እንተኾነ ኤርትራውያን ብጆግራፍን ታሪኽን ኣተዓባብያን ውልቃዊረብሓን ወሲድካ ነጸልቲ ክኾኑ ኣይክእሉን ‘ዮም።

ብቕኑዕ ወይ ‘ውን ብጌጋ ርድኢት ኤርትራውያን ንነብሶም ኣብ ትሕቲ ሞቕረንቲ ናይታ ብዙሕ ግዜ ዝጠለመቶም ዓለም ዘለዉ ኮይኑ ‘ዩ ዝስምዖም። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ድማ ነዚ ኣብ ኣእምሮ ናይ ኤርትራውያን ተቐሪጹ ዘሎ ኣተሓሳስባ ኣጸቢቑ ስለ ዝርዳእ፡ ስልጣኑ ንከናውሕ ክምዝምዞ ጸኒሑ ኣሎ።

ኤርትራውያን ‘ውን ነዚ ኣብ ትሕቲ ናይ ዓለም ሓይልታት ዘጓነፎም ዘይትስፉው ሸለል ናይ ምባል ታሪኽ ክጸቕጥዎ ኣይከኣሉን። ካብ ‘ቲ ሕቡራት ሃገራት ይኹኑ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣርሒቕካ ካብ ዘይምጥማት ዘበገስዎ ፖሊሲ- ኣብ መጨረሽታ አርባዓታት ይኹን ኣብ መጀመርታ ሓምሳታት ኣንጻር ‘ቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ዝገበርዎ ውዲት- ዝተበገሰ ኣብ ናይ ነጻነት ቃልሲ (1961-1991) ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ሓሊፎም  ‘ዮም።

ብድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣብ 1962፡እቲ ናብ ኤርትራ ብግዲ ዝተፈጸመ ፈደረሽን ተጋሂሱ ብናይ ኢትዮጵያ በይናዊ ውሳነ ምስ ተሳዕረ ሕቡራት ሃገራት ትኹን መንግስቲ ኣሜሪካ ቁሊሕ ኢሎም ‘ውን ኣይተመልከትዎን።

ኤርትራውያን ብረት ኣልዒሎም ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ዝነውሐ ኲናት ተባሂሉ ዝተሰምየ ኲናት ከካይዱ ከለዉ ‘ውን እዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ሓይልታት ነቲ ኩነታት መፍትሒ ንምግባር ዝኾነ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣየርኣያን።

ኤርትራ ነቲ ቅጽበታውን ዘይእዉጅን ነጻነታ ብወተሃደራዊ ዓወት ምስ ኣረጋገጸት ጥራሕ እየን እዘን ዝተጠቕሳ ሓይልታት ቆላሕትአን ሰዲደን፡እዚ ‘ውን ብዝያዳ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ንኸየጓንፍ ካብ ምስጋእ ንዕኡ ንምክልኻል ዝሓለነ ‘ዩ ነይሩ። ክትከውን ዝግባእ ‘ኳ እንተነበረ፡ኤርትራ ብገዛእ ርእሳ ንኣሜሪካ ይኹን ንዓለም ኣገዳሲት ኮይና አይትፈልጥን ‘ያ። ኤርትራ ናይ ኣሜሪካውያን ዝነብሩላ ወተሃደራዊ መዓስከር ‘ያ ነይራ፡ኣብ ቃኘው ስቴሽን ንልዕሊ 30 ዓመታት (1943 – 1977) ጸኒሖም  ‘ዮም።

እታ ኣብ ስትራተጂካዊ ቦታ እተደኮነት ነጻን ዲሞክራስያዊትን ልኡላዊት ኤርትራ ናይ ኣሜሪካን ናይ ሓርነት ፈተውቲ ህዝቢ ዓለምን ዓባይ ባህርያዊት መሓዛ ክትከውን ‘ያ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ኣብ ኩሉ ቀርኒ ኣፍሪቃ ‘ውንክካየድ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ናይ ‘ቲ ዞብ ጎብለል‘ያ፡ንሳ እትፍጽሞ ዘበለ ኩሉ ድማ ኣብ ‘ቲ ዞባ ኣገዳሲ ጽልዋን ሳዕቤንን ኣለዎ። ጽብቕቲ ኢትዮጵያ ክትህሉ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ጽቡቕ ‘ዩ፡ ዘተኣማምንን ሓያልን ክኸውን ድማ ይግባእ፡ካብኡ ሓሊፉ ግን ሰላማውን ኣብ ዕርክነት ዝተሞርክሰ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ኢትዮጵያ ኣገዳስነት ብፍላይ ኣብ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ኣዝዩ ጉሉሕ ‘ዩ። ኤርትራ ክልተ ዓበይቲ ሕማቕ ጎረባብቲ (ሱዳንን ኤርትራን) ክህልዋኣ ኣየዋጽኣን ‘ዩ፡ስለ ‘ዚ መሰረት ዞባዊ ፖሊሲኣ ካብ ‘ዚ ሓቂ ‘ዚ ዝብገስ ክኸውን ኣለዎ።

እቲ ናይ 1988-2000 ኲናት ዝያዳ ኣሰቃቒ ካብ ዝገበሮ ነጥቢ ሓደ ነዚ መሰረታዊ ዝኾነ ሓቂ ዘይምቕባል ‘ዩ ነይሩ።

ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት ናይ ዲሞክራስያውነት ውጥን ክህልወን ብዝለዓለ ደረጃ ተጠቀምቲ ክኾና የኽእለን። ምስ ኩሉ ሕጽረታተን ኢትዮጵያን ጂቡቲን ናብ ዲሞክራስያውነት ዝመርሕ መባእታዊ ዝኾነ ስጉምትታት ወሲደን ኣለዋ፡እቲ ኣብ ናይ ሶማል ዞና ዝርከብ ብሶማሊላንድ ዝፍለጥ እንተኾነ ‘ውን ብተዛማዲ ኣብ ናይ ምጥንኻር ደረጃ ይርከብ ኣሎ፡ እዚ ምዕባለታት ‘ዚ ድማ ናብ ‘ቲ ዝተረፈ ናይ ሶማል ዞናን ናብ ኤርትራን ክልሕም ተስፋ ይንበረሉ።

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ደሳለኝ ሃይለማርያም ብድሌት ካብ ስልጣን ምውራድን ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ናብ ተመሪጹ ዘሎ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ምስግጋርን ሓድሽን ትስፉዉ ንዘበን ኣበሲሩ ‘ዩ።

ኤርትራ ኣብ ‘ቲ ናይ ዲሞክራስያውነት መስርሕ ኣዝያ ድሒራ ‘ያ ትርከብ። ኩሉ እቲ ቅድሚ ናይ ዶብ ኲናት ብመሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ዝተኻየደ ነዊሕን ኣድካምን ጉዕዞ፡እቲ ናይ ህግደፍ ገዛኢ ፓርቲ ኣዝዩ ጸቓጢ እናኾነ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ፈጺሙ ’ዩ ተዳሂኹ።

እዚ ሕጹር ኣተሓሳስባ ምስ ‘ቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ሀይግ ውሳኔ ዘይምትሕብባር ተደሚሩ ንምልኪ ምቹእ ባይታ‘ ዩፈጢሩ። እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ኤርትራን ሶማልያን ጸጥታዊ ስግኣታት ኣተሓሳስባ ምጽማድ፡ንኢትዮጵያ ኣብ ሞራላውን ዲሞክራስያውን ቁጠባውን ሜዳታት መሪሕ ተራ ብምዃ ንጽልዋታታ ንከተዕዝዝን ዝነበራ ተኽእሎታት ሓጺርዎ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ነቲ “ንጉስ ብፍትሒ ንሃገር ርግኣት የውርደላ ‘ዩ“ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ጸማም እዝኒ ‘ያ ሂባቶ።(ምሳሌ29:4)

ነዊሕ እዋን ብዝጠመተ ብናይ ዲሞክራስን ብልጽግናን ዞባዊ ምትሕብባርን ራኢ እትምራሕ ኢትዮጵያን ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባ ዕብየት ኣገዳሲት ‘ያ። ኢትዮጵያ ናይ ሓጺር እዋን ፖለቲካዊ ክሳራታት ተቐቢላ ናይ ነዊሕ እዋን ጽቡቕ መኽሰብ ንኽትረክብ ልቦናን ትብዓት ንከተርኢ ይግባእ። እዚ ኣገባብ ናይ ዕብየት መለክዒ ጥራሕ ዘይኮነስ ኢትዮጵያ ብከም ‘ዚ ዓይነት መንፈስ ንክትጎዓዝ ‘ውን ትጽቢት ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ‘ዩ።

ይኹን ደኣ እምበር፡እቲ መንግስቲ ነቲ ናይ ገለ ኢትዮጵያውያን ተቓውሞ ሰጊሩ ነቲ ናይ ሀይግ ውሳኔ ተቐቢሉ ምእዋጁ ሕማቕ ኣይኮነን፡ ቅድሚ ‘ቲ ውሳኔ ሙሉእ ብሙሉእ ምፍጻሙ ግን ሓደ-ሓደ ጠልጠል ኢሎም ዘለዉ ጉዳያት ክፍትሑ ‘ዩ ዝጸቅጥ።

ብዝኾነ፡እዚ ኩነት ‘ዚ ንሰላም ወይ ንፍትሒ ተባሂሉ ዘይኮነ ዝያዳ ንናይ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃልኪ ተባሂሉ ዝተማህዘ ‘ዩ። ኣብ ‘ቲ እዋን ኲናት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ነቲ ሕቡእ ኣጀንድኦም ንምትግባር:  እንተተኻኢሉ ንኤርትራ ብምልእታ ካብኡ ሓሊፉ ግን ብዉሑዱ ንወደብ ዓሰብ ኣብ ቁጽጽሮም ንምእታው ደድሕሪ ባንዴርኦም ተሰሊፎም ‘ዮም።

ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ ብዂናት ወይ ‘ውን ብሽምግልና ክትረኽቦ ዘይከኣለት ብመንገዲ “ዝርርብ” ንክትረኽቦ ትፍትን ምህላዋ ካብ ምጥርጣር ዓዲ ኣይወዓለትን። እዚ ኢትዮጵያ እተቕርቦ ዘላነ ጥቢ ድማ ንሽሕጣን እንተዘይኮይኑ ካብ ልቢ ዘይነቐለን ኣብ ምድንጋር ዝተሰረተን ምዃኑ ‘ያ ትኸሳ።

ኢትዮጵያ ‘ውን እንተኾነ ብጎረባብታ ከም ስግኣት ክትውሰድ ኣየዋጽኣን ‘ዩ። እታ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣርሓ እንተኾነት ‘ውን ነቲ ኣብ መንጎ ሓይልን ቅንዕናን ዘሎ ርትዓዊ ሚዛን ክትውድኖን ኽትክእል ክትመሃር ኣለዋ። እቲ ናይ ኤርትራ መንግስቲ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ናይ ህዝቡ ፍርሕን ዘይምትእምማንን  ንምፍጣር ነቲ ኣብ ትሕቲ ደቡባዊ ዶብ ዘሎ ስርዓት ልክዕ ከም ሓደ  ዓቢ ሓደጋ ከምጽእ ዝኽእል ሕንጉጉ ጌሩ ‘ዩ ኣብ ኣእምሮኦም ቀሪጽዎ። ብዛዕባ ‘ቲ ብኢትዮጵያ ኣብ ርእሴና ከወርድ ተንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ዳሞክልስ ሴፍ ሓደጋ፡ማዕረ ክንደይ ተኣፋፊ ምዃኑ ዝሓትት ዋላ ሓደ ‘ኳ እንተዘይሃለወ፡መባዛሕትኡ እቲ ህዝቢ ከም ዘሎ ጌሩ ‘ዩ ዝወስዶ። ስለ ‘ዚ ነገራት ብኸም ‘ዚ ዓይነት መንገዲ ‘ዮም ርትዓውያን መሲሎም ንክረኣዩ ምክልኻል ዝግበረሎም፡ካብ ‘ዚ ዝተበገሰ ድማ ዝኾነ ንኤርትራ ናብ ዲሞክራስያውነት ንምምራሕ ዝግበር ፈተነ ብቐሊሉ ዝቑጸ።

ሓደ ካብ ‘ቲ ናይ ኤርትራውያን ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ብድሆ እምበኣር፡ ህግደፍ ከመይ ጌሩ ባይታ ከምዝስእን፡ንናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ከረድኡ ዘይምኽኣሎም ‘ዩ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ጉዕዞ ምቕያር ስርዓት ንምትካል ዲሞክራስን፡ ኤርትራውያን ሓላፍነት ዝወስድሉ ሓጺር መንገዲ እንተደኣ ኮይኑ ድማ እዚ ጥራሕ ‘ዩ።

ንኤርትራውያን እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ስርዓት ምቕያር ጥራሕ ‘ዩ።

ንብዙሓት ኤርትራውያን፡እቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይ ኩሉ ጎንጽታት ኮይኑ ነታ ሃገር ናብ ዲሞክራስያውነት ንከይተምርሕ ጅሆ ሒዝዋ ዘሎ፡እዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግጭት ‘ዩ። ንብዙሓት ካልኦት ድማ ነዚ ኣጓኒፉ ዘሎ ናይ ኤርትራ ምንቁልቃል ሓላፍነት ዝወስድ ናይ ኢሳያስ ምልኪ‘ዩ። እዞም ክልተ ነጥብታት ‘ውን ተራ ዘይብሎም ኣይኮኑን፡ቅሉዕ ብዘይኮነ መንገዲ ኣብ ሕድሕዶም ዝመላልኡ ‘ዮም። ናይ ዶብ ፍታሕ ብርግጽ ሓደስቲ ብድሆታት ጥራሕ ዘይኮነ ዕድላት ‘ውን ክፈጥር ‘ዩ።

ንኤርትራዊ ሕብረተሰብ ናብ ብኸቢድ ዝዓጠቐ ሰራዊት ምልዋጡ፡ናይ ሓፋሽ ምልዕዓል ወይ ‘ውን ወተሃደራዊ ዕልዋ ከለዓዕል ዝኽእል ዓርሞሾሻዊ ሓይሊ ምፍጣር ጥራሕ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል።

መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ንነብሶም ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ‘ዮም ዝረኽብዋ። ንህላወ ናይ ‘ቲ ሕንጉጉ ከይነጸጉ ኣብ ናይ ጸላኢ ቦታ ኮይኖም እዮም ዝንቀሳቐሱ።

እዚ ‘ዩ እምበኣር ሓደ ካብ ‘ቲ ክጽናዕን ክመዓራረን ዘለዎ ደረቕ ዝኾነ ናይ ኤርትራውያን ኣተሓሳስባ።

ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ደምበ፡ ሓደ ካብ ‘ቲ ቀንዲ ምኽንያታት ነቲ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ክስጉም ዘይከኣለ፡እቶም ካብ ‘ቲ ምንቅስቓስ ቀንዲ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ኤርትራውያን፡ነዞም ተመቓቒሎም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ተቓወምቲ፡ካብ ውሽጢ ልቦም ነሲሖምን ናይ ኤርትራረ ብሓቂ ክቃለሱ ይኽእሉ እዮም ኢሎም ስለ ዘይኣመኑሎም ጥራሕ ‘ዩ። ንገለ ካብኣቶም ‘ውን ከም መሳርሒ ናይ ህወሓት ጌሮም ዝወስድዎም ኣለዉ።

ነቲ ኩነታት ዝበኣሰ ዝገብሮ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ገለ ክፋል ናይ ብሄራዊ ፈደረሽን ሃዋርያ ኮይኖም ኣለዉ፡ እዚ ድማ እቲ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ክፋል ዘይቅበሎ ንከርብሓኒ ‘ዩ ኢሉ ዘይኣምነሉን ‘ዩ።

ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ እምበኣር ከም ተሓባባሪ ናይ ‘ቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ናይ ኢትዮጵያ ተጻይ ዝኾነ ፖሊሲ እዩ ተወሲዱ። ኣብ መጨረሽታ ድማ ካብ ዝኾነ ሓቂ ክኸውን ዝኽእል ወይ ‘ውን ኢትዮጵያ ከተስዕቦ እትኽእል ሓደጋ ኢሉ ኣብ ኣእምሮኡ ዘስረጾ ይሳቐ ኣሎ።

ኤርትራ ምስቲ ዝጸንሓ ልዑል ሃገራዊ ባህጊ ናይ ነጻነትን ንዕኡ ክዉን ንምግባርን ንምውሓስን ዝኸፈለቶ ከቢድ መስዋእትን በቲ ሓደ ሸነኽ፡ በቲ ካልእ ድማ ካብ ‘ቲ ስዒቡ ዘጋጠማ ፍጹም ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ተበጊሳ፡ነቲ ዘለዋ ጸጋታት ተጠቒማ ሓንቲ ናይ አፍሪቃ ኣቴንስን ክትርኢ ‘ያ ወሲና። እቲ ናይ ሓርነት፡ሰላምን ዲሞክራስን ክብርታት ከም ‘ዚ ናይ ሎሚ እዋን ጌሩ ኣብ ኣተሓሳስባ ኤርትራውያን ሰሪጹ ድማ ኣይፈልጥን።

ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ‘ዚ ቀረባ እዋን ዘጓነፎም (በብወቕቱ ዝቕልቀል ፖለቲካዊ ጉዳያት) ዘይተጸበይዎ ዘሰቅቕ ፍጻሜታት፡  ብዓቢ ተገዳስነት ንክገጥምዎ ተቐሲቦም ኣለዉ።

እቲ ዲሞክራሲ ንምምጻእ ዝግበርቃልሲ፡ልዕሊ ዝኾነ እዋን ሕጂ ‘ዩ ዝሓሸ ዕድል ዘለዎ። ኤርትራውያን ዘይጸዓት ናይ ሓባር ድሌት ኣለዎም፡ ሕጂ ‘ውን ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕድል ተጠቒሞም ደጊሞም ክትስኡ እዮም። ኣብ ‘ዚ ሰዓት ‘ዚ፡ዲሞክራሲ ንቀርኒ ኣፍሪቃ  ኣዝዩ ኣገዳሲ ‘ዩ። ከም ‘ቲ ናይ ትርግርኛ ምሳሌ ዝብሎ “እንጀራ ባይታስ ኣይ ካብ ዓውድን ካብ ባይቶ።”

ናይ ኤርትራ ናብ ድሞክራስያውነት ምስግጋርን ረብሓ ናይ ብሙሉኡ ‘ቲ ዞባ ‘ዩ። ጽቡቕ ጉርብትናን ዞባዊ ምትሕብባርን ዝከኣል ኤርትራ ድሞክራስያዊትን ሓራን ምስ እትኸውን ጥራሕ ‘ዩ።

ስለምንታይ ሕጂ ዝርርብ?

ኢትዮጵያ ነቲ ውሳኔ “ብመትከል” ተቐቢላቶ ‘ያ፡ እንተኾነ ግን ነቲ “ዝንቡዕን ንተግባራውነት ዘጸግምን” እትብሎ ሸነኻት  ”ዝርርብ” ክግበረሉ ኣለዎ እያ ትብል። ኢትዮጵያ ኣብ ‘ቲ ብወተሃደራዊ መዳይ ዝለዓለ ኢድ ዝነበራ እዋን ኣብ ቤትፍርዲ ቀሪባ ነቲ ሽምግልና ብፍቶታ ‘ያ ተቐቢላቶ፡እዚ ሕጂ ተቕርቦ ዘላ ነጥብታት ፈጺሙ ዘይምኽንያታዊ ‘ዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ውግእ ዕዉት ኮይኑ ዝወጽእ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኲናት ጠጠው ንምባል ኣብ ዝግበር ስምምዓት ዓብላሊ ተራ ኣለዎ። ኢትዮጵያ ‘ውን ነቲ ውሳኔ ንኽትቅበል ዝኾነ ዝተገብረላ ጸቕጢ ኣይነበረን።

ኢትዮጵያ ንውሳኔ “ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ተቐቢላቶ” ‘ያ።

ኢትዮጵያ ግዴትኣ ዘይምኽባራ፡ኣብ ናይ ከባቢና ሰላምን ምርግጋእን ዘለዎ ጸላውነት ኣሉታዊ ‘ዩ። ኣብ ‘ዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ህዝቢ ዓለም ድማ ብሓፈሻ ኢትዮጵያ በቲ ስምምዕ ንክትቅየድ ተስፋ ጌሮም ብዓቕሊ ተጸብዮም። ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሓድነት፡ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን እንተኾና ‘ውን ከም ኣውሓስትን መሰኻኽርን ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ሓላፍነት ተሰሚዕወን ነቲ ጉዳይ ኣብ ምፍታሕ ተርአንኣ ይተጻወታን።

ኤርትራ ካብ ፍርሒ ተበጊሳ ኣብ ዝርርብ ክትኣቱ የብላን፡እንተኾነ ኣብ ዝርርብ ክትኣቱ ‘ውን ክትፈርሕ የብላን። ኣብ መንጎ 1993 ን1997 ንኣስታት 13 ዝኾኑ ኣካላዊ ርክባት ተኻይዶም ‘ዮም፡ ካብ ‘ዚ ኣቶም እቶም 6  ኣብ 1997 ‘ዮም ተኻይዶም። እዚ ርክባት ‘ዚ እቲ ዝምድናታት ናይ ክልቲአን ሃገራት ምዉቕን ልባውን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ‘ዩ ተኻይዱ።

ሕድሕዳዊ ተጻብኦታትን ዘይምትእምማን ንምጥርጣራትን ኣብ ዘለወሉ እዋን ጻውዒት ዝርርብ ማዕረ ክንደይ ‘ዩ ኣፍራዪ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ነጥቢ ኣገዳስን ክረአ ዘለዎን ጉዳይ ‘ዩ። ኢትዮጵያ፡ዝርርብ ቅድሚ ምምልካት  ክግበር ኣለዎ ኢላ ምድራቓ ኣንጻር እቲ ቁኑዕ ጠጠው ኢላ ፍታሕ ንከይርከብ ‘ያ መሰናኽላት ትፈጥር ዘላ። መብዛሕትኦም መስተውዓልቲ ሰባት ምምልካት ዶባት ከም ሓደ ኩለንትናው ንመፈጸምታን ናይ‘ቲ ክመጽእ ዝድለ ፍታሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ንቡር ዝምድናታት ኣብ ምምላስ  ከምሓደዓቢ መጀመሪ ነጥቢ  ከገልግል ይኽእል ‘ዩኢሎም ‘ዮም ዝኣምኑ።

ስለ ‘ዚ ምምልካት፡ መላግቦ ናይ ክልተ ጫፋ ትካብ ኮነ፡ኢትዮጵያ ነዚ ኣገዳሲ ጉዳይ መፍትሒ ንምግባር ባብ ከተርሑ ይግባእ።

ዝርርብ ምጽዋዕ ብመሰረቱ ጌጋ ኣይኮነን፡እንተኾነ ግን ኢትዮጵያ ኣበየናይ እዋን ንምስምንታይ ኩነታትን ኣዛሚዳ ‘ያ ትጽውዕ ዘላ? መስርሕ ምሕንጻጽ ዶብ ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ምፍታሕ ናይ ‘ቶም ገና ጠልጠል ኢሎም ዘለዉ ጉዳያት ንኽእቶ፡ እቲ ስራሓት ‘ውን ቀስ እናበለ ክስጉምን ናብ ‘ቲ ኢትዮጵያ “ኣጠቓላሊ ሰላም” ኢላ እትገልጾ ደረጃ ንክበጽሕ፡ኤርትራ ከይ ወዓለት ከይ ሓደረት ኣብ ዝርርብ ንኽትኣቱ ብንጹርን ብዘየወላውል መንገድን ቅሩብነታን ድልዉነታን ከተረጋግጽ ይግባእ። እዚ ነዊሕ እዋን ዝወስድን ካብ ‘ዚ ናይ ሕጂ ወለዶ መሪሕነት መዋእል ሓሊፉ ንነዊሕ ዝሰጋገር መስርሕ ‘ዩ።

ተራ ናይ ‘ዞም ሕጂ ዘለዉ መሪሕነት ነቶም ስዒቦም ዝመጹ መሪሕነታት ንዝፍጽምዎ ናይ ህንጸት ዕማም ናይ ስራሕ ባይታ ምንጻፍ ጥራሕ ‘ዩ። እቲ ኣድህቦ ክግበረሉ ዘለዎ ድማ ነቶም ክንጎስዮም ዘይግብኣና ግቡእ ምሕደራ ክንገብረሎም ነቲ ከነመሓድሮ ዘሸግረና ድማ ጎሲናዮ ክንሓልፍ ጥራሕ ‘ዩ።

እቶም ኢትዮጵያ “ዝንቡዓትን ዘይግብራውያንን” ኢላ እትጠቕሶም ስክፍታታት ኣዝዮም ነኣሽቱን ግዜኦም ዘሕለፉን ‘ዮም። ኣብ ውሽጢ ‘ቲ ዝዓበየ ውጥን ኣቲኻ ነቲ ናይ ሀይግ ውሳኔን ናይ ኣልጀርስ ስምምዕን ከም መንጸጊ ኮይኖም ከገልግሉ ክትጥቀመሎም ቅኑዓት ኣይኮኑን። ምናልባት ኣካል ናይ ‘ቲ ናይ ቀንዲ ስምምዕ ነይሩ እንተዝኸውን፡ወይ ‘ውን እቲ ቤትፍርዲ ካብ ቅንዕናን ጽቡቕ መንፈስን ተበጊስካ ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ንክትቅይር ስልጣን ክህብ ነይርዎ። ካብ ‘ዚ ወጻኢ ግን ነቲ ውሳኔ ተቐቢልካ ከተብቅዕ፡ ተገምጢልካ  ነዚ ኣብ ናይ ሞትን ሂወትን ሓደጋ ተንጠልጢሉ ዘሎ ኩነታትን ከይቀላጠፍ ነቲ መስርሕን ድሕሪት ክትጎትት ግቡእ ኣይኮነን።

እዚ ኢትዮጵያውያን ሕጂዝሓትሉ ዘለዉ ምምቕቓል ናይ ዓድታት እንተኾነ ‘ውን፡ገዛእቲ ሓይልታት ቅድሚ ሓደ ዘመን ኣቢሉ ንወለዶታት ናይ ሓደ ዓይነት ዓድታትን ህዝብታትን መቓቒሎሞ ክኸይድ ዝጸንሐ ታሪኽ ስለ ዝኾነ ክቕበልዎ ጥራሕ ‘ዩ ዘለዎም። ናይ ስድራቤትን ናይ ሃሪ ጥብቀትን ዋላ ‘ኳ ንግዚኡ ይፈላለዩ ብቐሊሉ ዝባተኹ ኣይኮኑን፡ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ጥምረት ኣገባባት ኣለዎም። ብዘይካ ‘ዚ እቶም በቲ ኩነታት ዝተጸልዉ ኣባላት ስድራቤታት ኣበየናይ ሸነኽ ናይ‘ቲ ዶብ ክነብሩ ይደልዩ ንዕኦም ዝምልከት ኮይኑ ናይ መሰል ርእሰ ውሳኔ ሕቶ ከቕርቡ ይኽእሉ ‘ዮም።

ሕቡራት ሃገራት እንተኾነት ‘ውን “ካብ ምስግጋር ዝፍጠር ናይ መሬት ግዝኣታት ምቁጽጻር ይኹን  ኣብ ‘ቶም ነበርቲ ውልቀ ሰባት ከይተረፈ ንክመጹ ዝኽእሉ ሽግራት መፍትሒታት ክትገብር” ተማሕጺና ‘ያ።(ዓንቀጽ5፡16).  እዚ ኩነት ‘ዚ ግብራዊ ዝኸውን ድማ ድሕሪ ናይ ምሕንጻጽ ዕማም ምፍጻሙ ጥራሕ ‘ዩ።

በዚ ምኽንያት ‘ዚ እየን ድማ ሕቡራት ሃገራት፡ሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ከምኡ ‘ውን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ በቲ ሕጊ ንክትግዛእ ጸዊዐን። ጻውዒቶም ግን ዘይብሩህን ካብ ጉድለት ሰብኣዊ ሕልና ዝተበገሰ ስለ ዝኾነ፡ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ‘ቲ ባዕላቶም ዝሸምገልዎን ዝተሓጋገዝሉን ስምምዕ ዘይምትእምማንን ምጥርጣርን ‘ዮም ኣሕዲሮም። ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ግቡአን ኣየማልኣን፡ይኹን እምበር እቲ ነዘን ክልተ ሃገራት ናብ ንቡር ዝምድናታት ንምምላስ ዘኽእል ሓደ መንገዲ ነዚ ኩነት ምቕባል ጥራሕ ‘ዩ።

ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮሚቴ ዝጽበያ ዘሎ ዕማም ስርሓ ምስልሳል ጥራሕ ‘ዩ።

ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ኮሚቴ ዕማም፡ናይ ምምልካት ስርሓ ጀሚራ ተልእኾኣ ምፍጻም ‘ዩ። እቲ ስምምዕ ኣብ መንጎ ‘ተን ክልተ ሃገራት ዝርርብን ኽገብራን ከተቀላጥፍ ሓላፍነት ኣየሰክማን ‘ዩ። ዝርርብ ንኽግበር በተን ክልተ ሃገራት ምስምማዕ እንተተገብረ ‘ውን ሓጋዚ ጥራሕ እንተዘይኮይኑ እታ ኮሚቴ ነቲ ብሓላፍነት ዝተዋህባ ስራሕ ንክትፍጽም ኣገዳሲ ወይ ‘ውን መሰረታዊ ኣይኮነን። እታኮሚቴ ካብ ‘ዘን ክልተ ሃገራት እትደልዮ ነገር እንተደኣ ሃልዩ፡ ስርሓ ንክትሰርሕ ነጻ ክገድፍኣ ጥራሕ እዩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ሕጋዊ ግቡኣ ከተኽብርን ነታ ኮሚቴ ድማ ነቲ ናይ ዶብ ምምልካት ስርሓ ከተሰላስል ክትገድፋ ጥራሕ ‘ዩ ዘለዋ።

ሓኒሽ ከም ቅድመ ኣብነት ከተገልግል ይግባእ።

ግጭታት ንኲናት ኣይጽውዑን ‘ዮም፡ ብኸመይ ይምሕደሩ ‘ዩነ ‘ቲ ዝስዕብ ውጽኢት ዘማእዝን። ኣብ ታሪኽ እቲ ናይ 1998 – 2000 ኲናት፡ከም ሓደ ካብ ‘ቶም ብክልቲኦም ሸነኻት ግቡእ ምሕደራን ግቡእ ናይ ኣመራርሓ ብቕዓትን ዘይረኸቡ ኣገደስቲ ኣብነታት ኮይኑ ክጥቀስ‘ዩ።

ናይ ‘ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ብጉዳይ ደሴታት ሓኒሽ ዝተባርዐ ግጭት፡ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት (ታሕሳስ15 – 17) ናብ ቅልጡ ፍፍታሕ ዝበጽሓሉ ምኽንያት፡ ናይ የመን ፕረሲደንት ሳልሕ፡ዝበዝሑ ኣባላት ፓርላማኡ “ንኤርትራ ትምህርቲ ክንህባ ኣሎና” ኢሎም እናጸውዑ ከለዉ፡ምስ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዕንክሊል ንከይኣቱ ብዝወሰዶ ተባዕ ስጉምቲ ‘ዩ ነይሩ። እቲ ብሳልሕ ዝተወስደ ተባዕ ስጉምቲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘይተደላዪ ምፍሳስ ደምን ከይስዕብ ኣኽኢሉ ‘ዩ፡ኪኑኡ ሓሊፉ ግን የመን ነቲ ዝበዝሐ ኣብ ክርክር ኣትዩ ዝነበረ ቦታታት ክትወስድ በቒዓ።

ኣብ ጥቅምቲ 1998 እቲ ናይ ሽምግልና ቀዋሚ ቤትፍርዲ፡ነተን ንናይ ሓንሽ ወሽመጥ ዘቑማ ቀንዲ ደሴታት ንየመን ዝግብኣ ምዃነን ወሲኑ። ኤርትራ ነቲ ውሳኔ ተቐቢላ ሓይልታታ ቀልጢፋ ስሒባ። ብሕጋዊ ኣገላልጻ የመን ስዒራ፡ኤርትራ ድማ ተሳዒራ፡ ብናይ ሰላም ኣገላልጻ ግን ክልቲኤን ስዒረን።

ግጭታት ኣብ ዝለዓዓልሉ ሕጊ፡ ስምምዓትን ውዕላትን ገዛእቲ ክኾኑይ ግባእ፡ሰላም ድማ ይረጋገጽ። ናይ ግርጭታት ኣፈታትሓ ኣገባብ እምበኣር እቲ ኤርትራን የመንን ኣብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ሰላምን ጸጥታን ንክሰፍን ዝተኸተልኦ መንገዲ ‘ዩ። እቲ ናይ ሓንሽ ሕጋውን ሰላማውን ፍታሕ እምበኣር ጽቡቕ ቅድመ ኣብነት ‘ዩ ኮይኑ።

ምምልካት ዓቢ ስጉምቲ ንዞባዊ ሰላምን ዲሞክራስን ‘ዩ።

እቲ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣንጻር ጎድኒ ናይ ሶማልያ ግጭት ኣእትይወን ዘሎ ሓደ ምኽንያት፡እቲ ኤርትራ ነቲ ግጭት ከም መቐጸልታ ናይ ‘ቲ ምስ ኢትዮጵያ እተካይዶ ኲናት ጌራ ስለእትወስዶ ‘ዩ።

ኣብ ‘ቲ ናይ መጀመርታ ናይ ሶማል ናይ ሓድሕድ ግጭት፡ካብ ‘ቲ ናይ ጸላእየይ ጸላኢ ፈታውየይ ‘ዩ ዝብል መጎተ ዝነቅል እንተዘይኮይኑ፡ኤርትራ ምስ ‘ቲ ምስ ኣልቃዒዳን ዝደናገጽ ናይ ሽበራ ጉጅለ ንክትተሓገዝ ዝድርኻ ካልእ ዝኾነ ምኽንያት ክህልዋ ኣይክእልን ‘ዩ። ንኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ድላያ ንከይትጽይቕ ክዓግታ ዘለዎ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሕቡራት ሃገራት  ዝተወስደ “እናኸረረ” ዝኸደ እገዳ ዘይኮነስ ፍትሒ ብባዕሉ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ነዚ ናይ ዓለም ምስቃጥን ስጉምቲ ዘይምውሳድን ምስ ‘ቲ ኢትዮጵያ ከም ድላያ  ሕግታት እትጥሕስን ከምድላያ እትኸዶ ዘላን ኣመዓራርዮም ‘ዮም ዝርእይዎ። ስለዚ እዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዶብ ሽግር ምፍታሕ ዳርጋ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍርቂ ግጭት ምፍታሕ ማለት ‘ዩ። ሕብረተሰብ ዓለም ነዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሽግር ፈቲሑን ክልቲኤን ሃገራት ከምዝተሓባበራ ወይ ‘ውን ከም ዝቀራረባ ክገብር እንተዘይክኢሉ፡ብውሕዱ ግን ናይ ሕድሕደን ዘሎ ተጻብኦታት ጠጠው ከብል እንተተኻኢሉ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ዲሞክራስን ክነግስ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ ‘ዩ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ብቐሊሉ ዝመጽእ ኣይኹን እምበር ኣዝዩ ‘ውን ርሑቕ ኣይኮነን።

እቲ መፍትሕ ኤርትራን ኢትዮጵያን እየን ሒዘንኦ ዘለዋ፡ኣብ መንጎ ‘ቲ ወሲደንኦ ዘለዋ ዝተፈላለየ መርገጺታት ድማ ዋጋ ዕዳጋ ክግበር ይከኣል ‘ዩ።

ነቲ ናይ ሀይግ ውሳኔ ክልቲአን ተቐቢለንኦ ‘የን፡ እቲ ምሉእነት ናይ ‘ዚ ውሳኔ ‘ዚ እዩ ድማ መበገሲ ናይ ‘ቲ መዋጽኦ።

ኤርትራ  ቅድሚ ናብ ንቡር ምምላስ ምዝርራብ ምምልካት ክቕድም ‘ያ ትደሊ። ኢትዮጵያ ድማ ቅድሚ ምምልካት ኣብ ኩሎም “ጠልጠል ዝበሉ ጉዳያት” ክትዛተ ‘ያ ትደሊ። እቲ ናይ ሀይግ ውሳነ ኣካል ናይ ‘ቲ ዝርርብ እንተዘይኮይኑን በቲ ናይ ዶብ ኮሚቴ ብቑዕ ዝብሎ መንገዲ እንተተተግቢሩ ንክልቲኡ መርገጺታት ክተዓረቕ ይኽእል ‘ዩ።

ዝርርብ ኣብ ኩሎም ካልኦት ዉንዙፋት ጉዳያት፡ማዕረማዕረ ‘ቲም ምልካት ክካየድ ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ‘ዚን ኹሎም ወገናት ዕዉታት ዝገብር ኩነታት፡ ኢትዮጵያ እቲ ምምልካት “ከምዘለዎ” ክትግበር እንድሕር ኣፍቂዳ፡ኤርትራ ‘ው ንነቲ “ጠልጠል ኢሉ ዘሎ ጉዳያት” ንምፍታሕ እንተተሰማሚዓ እቲ ኩነታት ናብ “ምሉእ ሰላም” ኣምሪሑ እቲ ናይ ሀይግ ውሳኔ ተግባራውነት ይለብስ።

ክልቲኤን ሃገራት እንዳኣመልከታ ክዘራረባ እንዳተዘራረባ ድማ ከመልክታ ይኽእላ።

ነዚ ጻዕሪ ‘ዚ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ሕብረት ኤውሮጳን ካልእ ዝተረፈ ናይ ዓለም ማሕበረሰብን ክመርሕኦን ነቲ መስርሕ ድማ ከቀላጥፍኦ ይግባእ።

ሎሚ ኣብ መንጎ ‘ዘ ንክልተ ሃገራት ውሑድ ተጻብኦታት ንረጽምታትን ጥራሕ ‘ዩ ሓሓሊፍ ዝርአ፡እቲ ህዝብታት ብፍላይ ድማ ህዝቢ ኤርትራ እቲ መጠነ ሰፊሕ ግጥማት ሰልችይዎ ‘ዩ። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ‘ውን ናይ ኤርትራ ወደባት ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ናይ ኢትዮጵያ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዘለወን ተገንዚቦሞን እቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሓት ሃገራት ክግበር ዝነበሮ ምትሕብባራት ዕድል ምስኣኑ ‘ውን ኣጣዒስዎም ‘ዩ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይ ሓደ ዝለዓለ ናይ ኢትዮጵያ በዓል ስልጣን፡ ኢትዮጵያ ካብ 1998 ጀሚራ ምስ ኤርትራ ናብ ኲናት ምስ ኣተወት እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ወደብ ወጻኢታት እትገብሮ ክፍሊት ብ1400%  ወሲኹ።

ኤርትራ ‘ውን እንተኾነ፡ ምስ ‘ቲ ዘለዋ ኣገልግሎት ዘይህብ መጠነ ሰፊሕዝኾነ ወደባት፡እቲ ካብ ናይ ወደባት ክፍሊት ከተእትዎ እትኽእል ዝነበረ ገንዘብ ስኢናቶ ‘ላ።

እቲ ኩነታት በሲሉ ‘ሎ፡ እቲ ግዜ ‘ውን ንናይ ኣስመራን ኣዲስኣበባን ናይ ዲፕሎማስያዊ ርኽክባት መንገዲ ፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ኣዝዩ ዓቢ ብዝሒ ዘለዎ ናይ ኤርትራውያን ንኢትዮጵያውያን ንናይ ወጻኢ ሕብረተሰብን እቲ ናቱ ሲቪላዊ ማሕበራትን ከም ሓደ ዓቢ ድልድል ኮይኑ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋሁ ኣብ ረብሓ ዞባዊ ምትሕብባር ንከውዕሎ ባይታ ኣብ ምንጻፍ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል ‘ዩ። ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋሁ ኣብ ‘ቲ ግቡእ ሸቶኡ ንምብጻሕ እተን መንግስታት ንበይነን ጥራሕ ክዋስኣ ኣይግባእን። ዝተፈላለዩ ህዝብታትን ውድባትን ‘ውን ብዝተፈላለየ መልክዑ፡ነዚ ተ ደልዩ ዘሎ ዕላማ ኣብ መዓልቦኡ ንክበጽሕ ሃናጺ ዝኾነ ተራ ከበርክቱ ይኽእሉ ‘ዮም።

ካልእ ሓደ መንገዲ ንዝርርብ ከም ሰሓቢ መተካእታ ጌርካ ንከተስርሖ፡ንብዙሓት ዝተፈላለያ ናይ ሲቪል ማሕበራትን ፖለቲካውያን ፓርትታትን ኣብ ‘ቲ መስርሕ ተሳተፍቲ ንክኾና ምፍቃድ ‘ዩ።

ያማማቶ ነቲ ሱዛን ራይስን ሪቻርድ ሆልብሩክን ኣንቶ ኒሌክን ዝጀመርዎ ብዓወት ክዛዝሞይ ኽእል ‘ዩ።

_____________________________________

ሰመረ ሃብተማርያም፡ ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ናይመድረኽ ሃገራዊ ዘተ እዩ። ንሱ  ድሕሪ ምእሳር ናይ ጉጅለ 15ን ናይ ነጻ ፕረስ ጋዜጠኛታትን ሓደ ካብ ‘ቶም መስረትን ኣወሃሃድን ናይ ‘ተን ሽዕኡ ዝተፈጥራ ስቪካውያን ማሕበራት ‘ዩ ነይሩ። ንሱ ናይ ክልተ ናይ እንግሊዝኛ መጻሓፍቲ “Reflections on the History of the Tewahdo Church,” ን“Hearts Like Birds.” (ነጸብራቕ ኣብ ታሪኽ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንልብታት ከም ኣዕዋፍን) ዝብላ መጻሕፍቲ ደራሳይ ‘ዩ። ኣብ ተክሳስ ዳላስ፡ኣብ ህዝባዊ ጉዳያት ብማስተርስ ዲግሪ ኣብ መንግስትን ፖለቲካን ድማ ብቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቑ። ምስ በዓልቲ ቤቱን ምስ አርባዕተ ደቁን ኣብ ካርልቶን ተክሳስ ይነብር። ምስ ደራሳይ ንምርኻብ e-mail:   ceo@medrekh.org

ጸጉ ፍሰሃየ ባህታ፡ ነዛ ጽሕፍቲ ካብ ኢንግልዝ ዝቶርጎመ ገዲም ተጋዳላይ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን: ደራሲ “’ታ ሕብእቲ ሰልፍን”: ሓደ ካብቶም ውሑዳት ሙሩጻት ካብ ኢንግሊዝ ናብ ትግርኛ ዝትርጉሙ ሞያውያን ‘ዩ። ብዛዕባ ጸጉ ፍሰሃየ ንምፍላጥ ኣብዚ ልጋበ ጠውቑ tsegu.com

 

 

 

 

 

ዘይዋንነት:(Disclaimer) ደራሳይ ናይ ‘ዚ ጽሑፍ: ዋና ኣፈጻሚ ስራሕ ናይ ሃገራዊ መድረኽን ኣባል ቦርድ ናይ ዳይረክተራት ናይ መድረኽን ሃገራዊ ዘተን ይኹን እምበር እዚ ኣብ ‘ዚ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ርእይቶታት ይኹን ሓሳባት ናይ ዉልቁ ኮይኑ ንናይ ሃገራዊ መድረኽ ፖሊሲታት ይኹን መርገጺታትዘንጸባርቕኣይኮነን።መድረኽንሃገራዊዘተኣብዝተፈላለዩጉዳያትወግዓዊፖሊሲይኹንመርገጺኣይወስድን‘ዩ።ኣባላትቦርድዘለዎምሓሳባትንኽገልጹነጻ‘ዮም።

Print Friendly, PDF & Email

4 Comments

  1. ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ
    ኣንታ ዝሃለውለው ጉዳይ ዘይትገድፍዎ ኢኹም፧ እንታይ’ዩ ሽግርኩም፧
    ብይን – ብይን እዩ። ኣስጦብያ ነዚ ናይ ዶብ ብይን ከተኽብሮ ትግደድ። ካብኡ ዝቕጽል ኩነታት እንከላይ ዝርርብ ኮነ ዘተ፡ ብሓዲኡ ወይ ብክልቲኡ ወገናት ክበጋገስ ይኽእል። ልዝብ ግን ብድልየት ደኣ እምበር ከም ቅድመ ኩነት ኣይቀርብንዩ። ኤርትራ ክትላዘብ እንተዘይመረጸት ምሉእ መሰላ ሕሉው እዩ፡ ከሙ’ውን ኣስጦብያ። እምበር “ወያነ ሕልኽልኽ ዝለዘብዘሐስ፡ ሃየስከ ንዑ ንላዘብ” ማለት ማኣዝኑ ዝሰሓተ ዝንቡዕን ናይ ተንበርከኽቲ ሕላጋት እዩ።
    ቅድም ቀዳድም ኣስጦብያ ካብቲ ብሓይሊ ጎቢጣ ሒዛቶ ዘላ መሬት ኤርትራ ወጺኣ፡ ንትግባረ EEBC ብምሉኡ ከተተግብር ቅርብቲ ክትከውን ኣለዋ! እዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ኣይከውንንዩ ከኣ!

  2. ብላሽ ግዝየካ ኣጥፍእካ ሃለው ክትብል ሃውቲትካ ሕጊ ጎስካ ዘረባ የለን ንሳ እያ እታ ፍታሕ

  3. I have nothing to add. However, as we said in tigrnya . weyo tekalisnas tewadikna. they talked, they fought, did not bear fruit. they went to court. Bear in mind “smart” they added binding. That was based on their first hand knowledge: Emotional manipulation of the yang for own purpose.
    Every one will not get what they ask for, but that is the best way to solve the problem created.
    NO precondition leave the occupied land we will all live kin peace, and prosper. the only way.

Comments are closed.