ስብሓት ኣበራ ምራጭ 1930 – 2018

ስብሓት ኣበራ ምራጭ
1930 – 2018

‘ቃል ስብሓት ኣይዕጸፍን እዩ። ካብቲ ሓጺን ኣቻዮ መገዲባቡር ድማ ይጸንዕ።’

ቪኬቲ ፡ ጠበቓ ናይ ስብሓት ፡ ኣብ ቤትፍርዲ ፡ ጥቅምቲ 1961

ብዙሓት ሰባት ፡ ቤተሰብን ፈተውትን ከይተረፈ ፡ ንስብሓት ኣበራ ምራጭ ንፈልጦ ኢና ፤ ይብሉ እዮም። ኮይኑ ግና ስብሓት ኣብ ገዛውትናን ከተማናን ፡ ዓድናን ሃገርናን ኣብ ብዙሕ መድረኻት ንነዊሕ ግዜ ስለ እተዋስኤ ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ዝፈልጦ ካብዚ ኣዝዩ ዉሱን እዩ። ስለዚ እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ፡ ነዛ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስምበታ ዝኸውን ፡ ንዛንታ ታሪኽ ህይወቱ ብሓጺሩ ዳህሲሱ ንህይወቱ ዝጽምብል እዩ።

 

ሎሚ መዓልቲ ንዓና ናይ ሓዘን መዓልትና ኣይኮነን። ምኽንያቱ ፡ ኣብ ዝሓለፋ ሓምሳ ዓመታት ፡ ስብሓት ልዕሊ ኣርባዕተ ግዜ ካብዛ መፈንጠራ ሞት ሸተት ኢሉ ፡ ዝሞለቐ ተኣምር እዩ። ሎሚ ህይወት ስብሓትን ነታ ካብ ጎኑ ኮይና ንዳርጋ ሰብዓ ዓመት ዘሰነየቶ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሃገረሰላም ዑቕባንሰኤ እንጽምብለሉ ክቡር ዕለት እዩ።

 

ስብሓት ፡ ብግዜ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ብ1930 ዓ. ም ፡ ካብ ኣዲኡ እምበይተይ ሓዳስ በዅሩ (ኣፈልባ) ፡ ካብ ኣቦኡ ብላታ ኣበራ ምራጭ (ሊባን) ፡ ኣብ ኣፈልባ እንጋንኣ ፡ እንኮ ሓደ ፡ ከም ሃጸይ ቴድሮስ[1] ንእምበይተይ ሓዳስ በዅሩ ኮይኑ ተወልደ። ኣብ ሊባን ድማ ምስ ኣቦኡን ኣዲኡ ወይዘሮ ኣብረሀት ካሕሳይን ኣሕዋቱን ዓበየ።

 

ብጸሎትን ምህለላን እምበይተይ ሓዳስ ፡ ብምርቓን ባርኾትን ወለዱን ኣባሓጎታቱን እናተጓሰየ ፤ ካብ መግዛእቲ ኢጣልያ ጀሚሩ ሓሙሽተ መንግስትታን  ምሕደራን ርእዩን ሓሊፉን ፤ ደምቤታቱ ብውላድ ዘቕቢቡ ፤ ሽሻዩ በርኪቱ ፤ ደቁን ቤተሰቡን ኣመሓዲሩ ፤ ካብ ኣዴታትና ሃገረሰላም ዑቕባትንሳኤን ኣሰፋሽ ወልደጊዮርጊስን ዝውለዱ ዕስራን ሓሙሽተን ደቂ ደቁን ውላድ ደቂ ደቁን ርእዩን ስዒሙን ፤ ንዕድመን ንህይወትን እዛ ዓለም ከም ጸባ ዒጋ ደምበ ኣባሓጎታቱ ፡ ንዕድመን እርጋንን ጸጊቡ ፡ ንኹሉ ኣርኪቡ ፡እዩ ፡ ስብሓት ዘዕረፈ።

 

ስብሓት ብባህርያቱ ኣዝዩ ትሑት፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣዝዩ ለጋስ ፡ ወገን ውጹዓት ፡ ዋልታ ቤተሰብ ፡ ዓንዲ ማእከል ማይቤት ፡ ኣኽባሪ ሰብ ፡ ኣባ ጓይላ ፡ ሓላልን ሩህሩህ ኣልቃስን ፤ ፈታዊ ሰብ ፡ ፈታው ጀግና ፡ ፈታው ታሪኽና ስርዓትናን ዕላልን ፡ ኣዘንታዊ ታሪኽን ወለዶ ሓረግን ፡ ዝያዳ ኩሉ ግና ቀንዲ መለለዪ ሕላገት ስብሓት ፡ ሕጹብ መዓንጣ ድፍረት ትብዓት እዩ። ስብሓት ንፈታውን ውጹዕን ኩሉ መዓር እዩ ፤ ንተጻባእትን ዓመጸኛታትን ግና ነበልባል ሓዊ ዝተፍእ ደራጎን እዩ።

 

ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ : ሓውሲ ከተማታትን ገጠርን ሰሪሑ ተዛዊሩ ፤ ከም ብተይ ዓንዲሩ ፡ ፍርቂ ጎና ንዓለም ካብ ኣፍሪቃ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ርእዩን ተራእዩን። መሰታ ዳሕረዎትን ቀዳሞትን ኮይኑ ኣርኪቡ።

 

ፖለቲካዊ ንቕሓት ስብሓት ፡  ገና ብህጻንነቱ ፡ ኣብ ቤት ኣባሓጎኡ ደግያት ምራጭ ብዛንታ ኣባሓጎኡ ራእሲ ወልደሚካኤል ሃዘጋ እኳ ተኾስኪሱ እንተጀመረ ፤  ኣብ ካምቦኒ ኣስመራ ተምሃራይ እንከሎን ፡ ስዒቡ ብኣተሓሳስባን ንጥፈታትን ኣኮታቱ በዓል ግራዝማች ተኽለሃይማኖት በዅሩ (ኣፈልባ) ኣዝዩ እተጸልወን ዝበሰለን እዩ።

 

ቅድሚ ምጅማር ስሩዕ ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራ ፤ ሓርበኛ ስብሓት ቅድም ብውልቃዊ ተበግሶ ፤ ስዒቡ ድማ ምስ ብጾቱ ኣባላት እቲ ውልዶ ውድብ ማሕበር ሸውዓተ ፡ ንእምቢታ ኣንጻር መግዛእትን ጎበጣን ኢትዮጵያ ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ግንከኣ ምዑታት ፈለምቲ ደቂ ሃገር ፡ ብረት ዘልዓለን ዝኸተተን እዩ።

 

ነቲ ብዘይ ቅዋማዊ ሕጋዊ መስርሕ እተኣገደ መሰሎም ንምምላስ ፤ መንነቶም ንምዕቃብ ፤ ዝጸበበ ፖለቲካዊ ባይታኦም ንምስታር ፤ መጻኢ ዕድላቶም ንምስሳን ፤ ንመሰሎም ክመልሱ ፤ ንክብሮም ክሕልዉ ብረት ኣልዓሉ። መቓልሕ ናይዚ እምቢታ ድማ ስዒቡ ፡ ናይ ሰላሳ ዓመት ገድልን መስዋእትን ተኸፍለ።

 

ኣብዚ ድማ ብተኣምር ንኣሰቃቒ ማእሰርትን መግረፍትን ፡ ንድነ ሞትን ሰጊሩ ፡ ንነብሱን ብጾቱን ሓዊሱ ሓራ ዘውጸኤ ፤ ንተጻባእቱን ኣሰርቱን ግና መቑሕ ሰንሰለቶም በቲኹ ዘሕፈረ እዩ።

 

ነዚ ቕያ ታሪኽ ናይቲ እዋን ፡ ናይ ቤት ፍርዲ ፣ ፖሊስ ፣ ጋዜጣታት  መርሚሩ ፤ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቲቱ ፤ እቲ ውሩይ ናይ ታሪኽ ተማራማሪ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ ኣብ ናይ 2016 መጽሓፉ ብኸምዚ ይጽብጽብ:

“ሓደ መዓልቲ  ኣብ ውሽጢ ሓጋይ 1960 (ቅድሚ ብረታዊ ገድሊ ሰውራ ምጅማሩመራሒመንግስቲ ኣስፍሃ ወልደሚካኤልን ፕረሲደንት ባይቶ ኤርትራ ሓሚድ ፈረጅን  ካምፖ ቺቸሮ መገዲ ከረን ሒዞም  ንፋስ ኵውቅዑ ብእግሮም ሰለይ እናበሉ  ናብዚ ናይ ሎሚ ፋብሪካኮካኮላ በጺሖም ክምለሱ እንከለዉ  ዘይሓሰብዎ ኣጓነፎም። ካብቲ ሎሚ ምዕራባዊጫፍማይ ተመናይ ኮይኑ ዘሎ  ሽዑ ንኣሽቱ ኩጀታት ዝነበረኣኻውሕ ዝተደርበየ ቦምባ ካብኣቶምፍንትት ኢሉ ብብርትዑ ድምጽን ማሕታን ስለ እተተኮሰ  ሕማም ዕርቂ ኣስፍሃ ተረሲዑ ኣስፍሃን ብጻዮምን ብህድማ ጉያ ተኣልዮም  ኣብ ድኳን ገረንሰኤ ፓራዲዞ ተዓቖቡ። ድሕሪቁሩብ መኪናኦም ስለዘርከበትድማ  ኣብኣ ተሰቒሎም ከብዶም ሓቒፎም ንከተማ ኣተዉ።

እዛ ፈተነ እዚኣ  ሓንቲ ካብተን ፖሊስ ኤርትራን ተድላ ዑቕቢትን ክፈትሕወን ዘይከኣሉምስጢራት ኮይና ክሳብ ድሕሪ ናጽነት ጸንሔት። ምውራድ ባንዴራን ምልዋጥ ስያመመንግስትን ካልእ ናይ ኣስፍሃ በደላትን እናበዝሖ ምስ ከደ እምበኣር  ንበይኑ ክቐትሎምወሰነ። ነዚ ድማ ንነዊሕ ግዜ ምንቅስቓሶም ተኸታተለ። ኣብዚ ሎሚ ቤትክርስትያን ኪዳነምህረት ተደኵኑሉ ዘሎ ጎላጉል ፓራዲዞንነዊሕ ተጸብየ። ኣብዛ ዝተጠቕሰት ዕለት ግን ኣብ ልዕሊ እቲ ኩጀት ኣዝጊቡ እንከሎ  ዝመችአ ዕድል ረኸበ።

ስብሓት ይብል ፡ “እግረይ ኣውጽእኒ ሃዲሞም  ዕርቂ ሕማም ኣስፍኣ በየን ከም ዝጠፍኤት።በቲ ጸልማት ደድሕሪኦም ጎየ ኸኣ።

እንዳ ገረንሰአ ውን ኣትዮም፡ ገረንሰአ ውን ርእዩኒ፡ ጠርጢሩኒ። ኣይነገረለይን።”[2]

 

በዚ ስብሓት ፡ እቲ እንኮ ኤርትራዊ ኣብ ፈተነ ቕትለት ኣስፍሃ ወልደሚካአል ፡ ሓሚድ ፈረጅን ቀሺ ዲሜጥሮስን ፡ ኣብ ናይ ሰለስቲኦም ፡ ዝኣለመን እተኻፈለን እዩ።

 

ቀጺሉ : ስብሓት ብወርሒ ጥቅምቲ 1961 ፡ ኣብ ፈተነ ቅትለት ቀሺ ዲሜጥሮስ ማለት ኣብ እዋን ፈደረሽን ምክትል መራሒ ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ፤ ውዲት ኣሊሙን ኣብኡ ተኻፊሉን ተባሂሉ ተኣሲሩ ፤ ብሕጊ ሽፍትነት ናይ 1957 ብመንግስቲ ምስ ብጾቱ ተኸሰሰ።[3]እቲ ዝጽበዮ መቕጻዕቲ ድማ ሞት ብማሕነቕቲ ነበረ። ነዚ ንምትግባር ድማ ኣዛዚ ፖሊስ ተድላ ዑቅቢት ፡ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ኣስፈሃ ወልደሚካኤልን ቀሺ ዲሜጥሮስን ብዙሕ ተጓየዩ።

 

እዚ ሕጋዊ ጉዳይ ኣኽባር ሕጊ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ስብሓት ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ምክትል መራሒ ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ እተፈጸመ ፤ ሕጋዊ መስርሑ ኣብ ቅሉዕ ቤት ፍርዲ ንሓደ ዓመት ምሉእ እተጋበኤ ፤ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ማእገሩ እተወሳሰበ ፤ ውጽኢቱ ዓቢ ፖለቲካዊ ሚዛን ዝነበሮ ፤  ብይን ሞት ንስብሓት ወይ ድማ ዓቢ ውርደትን ሕስረትን ንመንግስቲ ኤርትራ ከስዕብ ዝኽእል ፤ ናይ ዳዊትን ጎልያድን ዝመስል ግጥም ፤ በቲ ሓደ ሸነኹ ድማ ፡ ሰብ ንፊልምን ተዋሰኦን ዝጸሓፎ ትራጀዲ ይመስል ነበረ።

 

ነዚ ድማ ምሉእ ዓመት ፡ ሃገር ምሉእ ብኣትኩሮን ተመስጦን ፡ ሰብ ኩሉ  ብፍላይ መንእሰያት ፡ ከብዱ ሓቒፉ ተኸታተሎ። ካብዚ እውን ስብሓት ፡ ቃንዛን መግረፍትን ተጻዊሩ ፤ ኣብ ቤትፍርዲ ረቲዑ ከም ዳዊት ጎብለል ኮይኑ ብዓወት መሰስ ኢሉ ወጸ።

 

ዳኛ በርሀ በየነ ኣብ ብይን ከምዚ ይብል፥

“ክሱስ ቁ፡2 [ስብሓት]፡ ኣብ እዋን መርመራ  ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ንኹሉ ኣንጻሩ ዝቐረቡክስታት  ኣይኣመነሉን። . . .

ነቲ ኣብ ኢድና ዝቐረበ ጭብጥታት ብጥንቃቐ ድሕሪ ምምማይ  ድምር ውጽኢትጭብጥታት ናይ ኣኽባር ሕጊ  ኣንጻር ክሱስ ቁ፡2 ከም ዘይበቅዕ  ብኣብዛሒ ቑጽሪ ዓጊብናኢና።

ስለዝኾነ ድማ  ክሱስ ካብ ገበን ናጻ ኮይኑ  ብቕጽበት ይለቐቕ።”[4]

 

ባህርያት ኣበርክቶን ክብርታትን ስብሓት ብሓጺሩ ፥

 

  • ነቲ ውልዶ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ (ማሕበር ሸውዓተ) ኣብ ከተማታት ኤርትራ ዝተኣከበ ብረትን ንዋትን ብምስጢር ልኢኹ፤
  • ንውፉያት ኣባላት ኣብ ከተማ ስቱር መዕቆብን ቦታን ኣዳልዩ፤
  • ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንእሱራት መንእሰያት ተስፋን ምኽርን ሂቡ ፡ ማህረምቶም ደሪዙ ፡ንፖሊሳዊ ክስታት ንምብዳህ መኺሩን ኣጉሪሑን ። ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ውፉያት (ከም በዓል ኣደም መለኪን) ሓራ ወጺኦም፤
  • ነቶም ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተማረኹ ተጋደልቲ (መሓመድ ኢራን በሪቕ መሓመድን) ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሞት ተፈሪዶም ንማሕነቕቲ ንባረንቱ ብ1961 ቅድሚ ምውሳዶም ንለበዋኦም ንሓዋሩ ተቐቢሉ ፡ ንቤተሰቦም ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብጺሑ፤[5]
  • ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንቓንዛን ስቅያትን መግረፍትን ተጻዊሩ ብመስዋእቲ ሓርበኛ ኢንስፐክተር ገብረመድህን ሃይሉ[6] (ዓዲ ኸፈለት) ተሰንዩ ፡ ንብዙሓት ኣባላት ወሃዮኡ ብናጻ ኣልቂቑ፤
  • ብድሕሪ ናጽነት ንምምሕዳር ከባቢ ማይተመናይ ወኪሉ ኣብ ባይቶ ከተማ ኣስመራ ብትግሃት ኣገልጊሉ፤
  • ኣብ ሊባን ሕምብርትን ከባቢኣን ኣብ ምጉስጋስ ምስራሕ ክሊኒካት ሆስፒታላት ኣብያተ ትምህርቲ ትሕተ ቅርጽን መብራህትን ቀረብ ማይን ብትግሃት ተዋሲኡ፤
  • ምእንቲ ውጹዓት ኣዴታት ፡ ብዱላትን እሱራትን ናብ ኣባያተ ምምሕዳራት ጎይዩ ደኺሙ ፡ ፍትሕን ርትዕን ጠሊቡ፤
  • ብኡሳት ሸምጊሉ ፡ ንፍቕርን ሰላምን ሰሪሑ ፡ ስኒት ዘሪኡ ፡ ኣብነት ሕድገትን ይቕረ ምብህሃልን ኮይኑ ፡ ቂምታ ነጺጉ ንፍቕርን ምትሕቑቓፍን ብግብሪ ሰሪሑ፤

እቲ ኣቦናን ወላዲናን ፡ ኣባሓጎናን ሓውናን ፡ ዋልታናን ድርዕናን ፡ ጭማራናን ስሕለትናን ፡ ሓበንናን ኩርዓትናን ፡ ዝኾነ ሓርበኛ ስብሓት ፡ ብርግጽ ሎሚ ንዘለኣለም የዕሪፉ እዩ ፤ ይኹን እምበር ፥

 

እቲ መቑሕ ማእሰርቲ ዝሰበረ ፡ ንሓጹር ግምብታቶም ፡ ቅድሚ ሰብ ፡ ሽዓ ብወጋሕታ ብቶኽሲ ብረት ቶሜጋንን ቦምባን ኣብ ከተማ ኣስመራ ፡ ኣብ መጋባእያ ድማ ሞጊቱ ሃደሽደሽ ዘበለ ስብሓት ፡ ዕድመ ጸጊቡ ፡ ብዙሕ ሰናይ ርእዩ ፡ ንህይወት ኣስተማቒሩ ፡ ክብረት ርእዩ ፡ ሞጎስ ረኺቡ ፡ ስብሓት ንዘለኣለም ይፍለየና ኣሎ እሞ ፡ ብእልልታ ማህሌትን ውዳሰን ፡ በቲ ጥንታዊ ክቡር እምነትናን ስርዓትናን ደሓን ኩን፡ ጠሊ ግደፍ ንበል።

 

ሰንበት ፡ 2 መስከረም ፡ 2018

ደብረ ቅዱስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ፡ ሊባን ፡ ሎጎጭዋ

ክብረት ይሃበልና ፡ የቐንየልና ።

ወይዘሮ ሃገረሰላም ዑቕባትንሳኤ ምስ ኩሉ ቤተሰብ

Print Friendly, PDF & Email