ሕጂ`ኸ? ዶር. ኣሰፋው ተኸስተ: ገዲም ተጋዳላይ ህግሓኤን: ኣቦ መንበር  ቦርድ ናይ ዳይረክተራት  መድረኽን ሃገራዊ ዘተን: ሓኪምን ፕሮፌሰር ናይ ኣህጉራዊ ጥዕናን ‘ዩ::

ሕጂ`ኸ?

ኣሰፋው ተኸስተ

ብዚ እዋን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ለውጢ ሃዋህው ዓሲሉ ኣሎ።  ኣብ ኬንያ ዝተራእየ ናይ ዕርቅን ይቕረን ሓባራዊ ጸሎት ኣብ መንጎ እቶም ደመኛታት ዝነበሩ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታን ራይላ ኦዲንጋን ሓደ ኣብነት ኢዩ። ኣብ መንጎ ብቐቢላዊ ውግእ ዝተፋለሱ ፕረዚደንት ሳልፋ ኼርን ሪያክ ማሻርን ዝግበር ዘሎ ዕርቀ ሰላም እውን ካልእ ኣብነት ናይዚ ናብ ሰላም ዝጓዓዝ ዘሎ መስርሕ ኢዩ። ብተመሳሳሊ ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር ዳርጋ ኩሎም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ እሱራት ክፍትሑ ምእዛዙ፡ እተን ብሰንኪ ምእኩል ስርዓት ምሕደራ ዝቀናቐና ሶማሊ ላንድን ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያን ጀሚረነኦ ዘላዋ ሰላማዊ ዘተ እውን ኣካል ናይዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጸ ንፋስ ለውጢ ኢዩ። ማእከል ስሕበት ናይ ኩሎም ለውጥታት ኮይኑ ንመጻኢ ዕድል መላእ ህዝቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክጸሉተኽእሎ ዘለዎግን እቲ ኣብ ኢትዮጲያ ተኸሲቱ ዘሎ  ቅልጡፍሃናጺለውጢ ኢዩ።

እዚ ለውጢ`ዚ ንፖለቲካ ሃገረ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ንተራ ተቓለስቲ ፍትሒ ብኸመይ ኪጸልወና ኢዩ? ኣብቲ ናይ 1998 ዝነበረ ሃዋህው ዲና ኪምለስ፡ ወይስ ውጽኢቱ ኪትንበዮ ዘይክኣል ህዝባዊ ናዕቢ`ዩ ኪስዕብ?  ዝብሉ ሕቶታት ክድህስስ ኢየ።

ኣብ 1991 ዝነበረ ትስፍው ሃዋህው፡ ድሕሪ ንሰላሳ ዓመታት ምድማይ ዝተረኽበ ልደት ሃገረ ኤርትራ፡ ብምንዳፍ ቅዋም ኢዩ ስራሑ ጀምሩ።  ቅዋም ነዲፉ፡ ብቅዋማዊ ባይቶ ኣጽዲቑ ንትግባረ ኣድላዩ። እቲ ዝጸደቐ ቅዋም፡ ምስ ኩሉ ግድለታቱ፡ እተን መሰረታውያን ክብሪታት ደምክራሲ (መሰል ዜጋ፡ መሰል ሓሳባትካ ምግላጽ፡ ነጻ ፈራዲ ኣካል፡ ካብ ኩሉ ግን መራሕ መንግስቲ ክልተ ጊዜ ጥራሕ ይምረጽ ዝብላ ዓንቀጻት) ዘማላእ ስለ ዝነበረ፡ ከበግስና ዘኽእል ኢዩ ነይሩ።

ትግባረ ቅዋም እናተጸበና ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኵናት ስለ ዝተኸስተ ኪትግበር ኣይተኻእለን። ከም ተቓወምቲ ኣብ ዘይምትግባር ቅዋም ዘሎና መረዳእታ ፍሉይ ኢዩ። ንሱ ገዲፍና ግን እስኪ በቲ መንግስቲ ዝብሎ ንኺድ። ሕጂ እታ ጠንቂ ምውንዛፍ ቅዋም ዝነበረት ተእለ ኣላ። ስለዚ እቲ ተጀሚሩ ዝነብረ ደሞክራስያዊ መስርሕ ማለት ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ኪቕጽል ባህርያዊ ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ረጽሚ ምስ ኢትዮጵያ ዘስዓቦ፡ `ኣይሰላም ኣይኵናት` ኵነት፡ ደረት ኣልቦ ሃገርዊ ኣገልግሎት፡ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን መናሰያት ኣብ ድፋዕ ምጽማድ፡ ምድጓን ተቓወምቲ፡ እንተላይ ላዕለዎት መራሕቲ ከብቅዕ መጎታዊ ኢዩ።

እዚ ትጽቢት`ዚ ንፖለቲካዊ መሸከል ኤርትራ ኪቕይሮ ኢዩ። ደገፍ ህዝቢ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣዝዩ ኣብ ዝረቐቐሉ ህሞት እዚ ለውጢ ስለ ዝመጽአ፡ ሓዲስ ትንፋስ ረኺቡ ኣሎ። እዛ ተረኺባ ዘላ ትንፋስ ኪትቅጽል ወይ ከተብቅዕ፡ ናይ ህዝቢ ደገፍ ኪሰብሕ ወይ ኪዓብር ግን ኣብቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጻኢ ዝወስዶ ስጉምቲታት ዝምርኰስ ኢዩ።  ማዕሪኡ እቲ ትሕዝቶን ልፍንታዊ ባህሪን ናይ ተቓለስቲ ንፍትሒ ኪቕየር ኢዩ። ጉዳይ ዶብ ካብ ተፈትሐ፡ ብሰላም ነቲ ዘይተርፍ ለውጢ ንምስልሳል፡ መጀመርያ ኣብ ሃገርና ፈሪሱ ዘሎ መንግስታዊ መዋቕር ኪህነጽ፡ ግዝኣተ ሕጊ  መታን ኪሰፍን፡ ቅዋማዊ ስርዓት ብምትካል ኩላትና ኤርትራውያን እንሳተፈሉ ፖለቲካዊ ባይታ ኪፈጠር፡ ኩሉ ዜጋ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገሩ ብነጻ ናይ ምስታፍ መሰሉ  ኪሕሎ ዝብል መጎተና ኪቕጽል`ዩ።

ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘሎዎ ሓዲስ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ውሽጢ ህግደፍ ኪፍጠር ኢዩ። ሃገርና ብኢትይጵያ ተደፊራ፡ ልዑላውነታ ክሳብ ዝኽበር ድማ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ደው ኪንል ኢና ዝበሉ ዝበዝሑ ኣባላት ህግደፍ፡ `ሕጂ`ኸ፡ ጉዳይ ውሽጥና ንግበር` ኪብሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እቶም ድሮ ንፍትሒ ንቃለስ ዘሎና ድማ፡ ብሕሉፍ ታሪኽ ከይተሓለኽና ብሓባር እንቃለሰሉ ፖለቲካዊ ባይታ ኣብ ምፍጣር ኪሰርሕ ኣሎና። እዚ ክልተ ኪንፊ ዘለዎ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዝተዘግሐ ሓይሊ፡ ከቢድ ሓይሊ ስለ ዝዀነ፡ ግዴኡ ብግቡእ እንተ ተጻዊቱ ምናልባት ወሳኒ ተራ ኣብቲ ዝካየድ ሰላምዊ ለውጢ ከይሃልዎ ኣይተርፍን።

እቲ ነዚ ዘይተርፍ ማዕበል ለውጢ ደው ከብልየ ዝብል ኣካል ኪህሉ`ዩ። ድሮ `ሕጂ`፡ ቅዋም፡ ደምክራሲ እንብለሉ እዋን ኣይኰነን፡ ሃገርና ዳግማይ እንሃንጸሉ እዋን`ዩ` ዝብል፡ ነቲ ስርዓት ጸጋጊንካ ከም ዘለዎ ንኪቕጽል ሓዲስ ጉልባብ ንምልባስ ዝፍትኑ ኣሎዉ። መሪሕነት ወያነ ኣብቂዑ፡ ተቐቢሩ እናበለ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ወያነ ዝድብል ዘሎ መሪሕነት ህግደፍ፡ ምልስ ኢሉ ስለምንታይ መሪሕነት ወያነ ተሳዒሩ ኢሉ ኪሓትት ይሕሾ። እቲ መልሲ ዝተሓላለኸ ኣይኰነን። መሪሕነት ወያነ ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት፡ ተወሊዱ፡ ጐቢዙ፡ ኣሪጉ ድማ። ባህርያዊ መስርሕ ፍጥረት፡ እንተላይ ፖለቲካ ስለ ዝዀነ። መሪሕነት ወያነ ምስ ጊዜ ኪጐዪ ኣይከኣለን፡ ንድሕሪት ተሪፉ ነቶ ዝጐዪ መንእሰያት ኪዓግቶ ምስ ጀመረ ድማ ተኣልዩ። ስለዚ እዚ ስርዓት ኤርትራ ከም ዘልዎ ይቐጽል ዝብሉ ካብዚ ኪምሃሩ ይሕሾም።

ብዝተረፈ ግን እዚ ጽን ኢሉ ዝከታተል ዘሎ መንእሰይ ካብዚ ናይ ኢትዮጵያ ምዕባለ ይምሃር ከም ዘሎ ዘይምዝንጋዕ። ሎሚ ፖለቲካዊ ቅርጻ መሬት ኢትዮጲያን ሚዛን ሓይሊ ልፍንቲ ኢህወደግን ተቐይሩ ኣሎ። ኣብ ሓጺር እዋንድማ ኣብ ኢትዮጲያ ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዘበስር ኣንፈት፡ ምፍታሕ ዓሰርተታት ኣሽሓት እሱራት፡ ምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ፡ መንፈስ ዕርቀ-ሰላምን ይቕረ ምብህሃልን፡ ምጽራይ ብልሽውናን ጻውዒት ተሓታትነትን፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ምምእዛዝ ንልዕልና ሕጊ ከረጋገጽ ነቒሉኣሎ። እታ ኣብ ኢትዮጵያ ተሓሪማ ዝነበረት ግዝኣተ-ሕጊ ሃዋ ዝመለስ ሓዲስ ትንፋስ ተስፋ መሊሱላ ኣሎ።

በዚ ምንቅስቓስ ድማ ልዕሊ ዓረር መኸተ ህዝቢ ከም ዝዕወት፡ብፍላይ ነቶም ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ኣብ ዓለም፡ ገና ኣብ ትሕቲ ስርዓተ-ዓመጽ ዝነብሩ ዘለዉ መንእሰያት ምሂሩን መስኪሩን።ኣብ ኩሎም መለኽቲ ድማ ስክፍታን ፍርህን ኣሕዲሩ ኣሎ።

እቲ ዝዓበየ ዓወት ናይቲ ህዝባዊ ናዕቢ ኢትዮጵያ ግን መረረ ህዝቢ ዝሰምዕ፡ ንጠለባቶ ድማ ዝምልስ ካብ ውሽጡ ዘይኰነስ ካብ መሪሕነት ኢህኣደግ ሓዲስ መንእሰይ መራሒ ወሊዱ – ዶክተር ኣቢዩ ኣሕመድ። እነሆ ድማ ናብቲ ካልኣይ መድረኽ ናይቲ ናይ ለውጢን ዴሞክራሲን ጉዕዙ ተበጊሱ። እዚ ዛጊት ተረጋጊጹ ዘሎ ለውጢ፡መንገዲ ፍትሒ ዘትሕዝብርሃን እምበር መዓልቦ ናይቲ ቃልሲ ኣይኮነን፡ ናይ መወዳእታ ዓወቱ (ምናልባት ውን ውድቀቱ) ዝረጋገጽ ኣብቶም ሕጂን ብሕጂን ዝውሰዱ ፍትሓውያን (ምናልባት እውን ዘይፍትሓውያን) ስጉምታት ኢዩ። ሓደ ብኣግኡ ተረጋጊጹ ዘሎ ነገር ግን ኣሎ – ደጊም ኢትዮጲያ ናብቲ ዝነበረቶ ሓደ ንኡስ ጉጅለ ዝዕብልሎ ዘይተወደነ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበረ ባህላዊ ህመሻኣይክትምለስን ኢያ።

ህዝባዊ ናዕቢ ኢትዮጲያ ዘንቀለ ንቕሓት ህዝብን መንእሰያቱን ኢዩ።

ኢህኣደግ ካብ ዘመዝገቦም ቀንዲ ዓወታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ መባእታዊ ክሳብ`ቲ ዝለዓለ ደረጃ ምዝርግሑ፡ መንእሰያትኣብ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ናይታ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ገስጋስ ህይወትን ትምህርትን ይርከብ። ብሚልዮናት ብዝቑጸር ፍቕዲ ህዝቢ ሰፊሕ ናይ ትምህርትን ሞያን ዕድላት ረኺቡ፡ ብሓባር የንብብ፡ ብሓባር ይሓስብ፡ ብሓባር ይትንትን ኣሎ። እዚ ምስ ዝርግሐ ናይ ኢንተርነትቴክኖሎጂተደሪቡ፡ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ንቕሓቶምን ክእለቶምን ክብ ክብል ክኢሉ ኢዩ። ኢትዮጲያ 27% ካብ ጠቕላላ ሃገራዊ ባጀታ ናብ ትምህርቲ ምቕናዓ ሓደ ካብቲ ዘሞጉሳ ተበግሶ ኢዩ።

እዚ ፍልጠት`ዚ  ንመንእሰያት ዓይኖም ስለ ዝኸፈቶዕርቃን ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኣቓሊዑ፡ ኣፍልጠኦም ኣብ ዴሞክራስያዊ ኣምርን መስርሓቱ በሪኹ፡ ንመሰላቶም ደው ክብሉ፡ ንዝዀነ ሓይሊ መኪቶም ኪስዕሩ ዘኽእሎም ትብዓት ድማ ኣስኒቕዎም።

ክንዲ ዝኾነ ኣብ ኢትዮጲያ እቲ ብብርሃን ፍልጠት ኣእምሩኡ ዝሰፍሐ መንእሰይ፡ ምስቲ ምስ ህዝባዊ ገስጋስ ኪጓዓዝ ዘይከኣለ ኣእምሮ መሪሕነት ኢህኣደግ  ኣብ ረጽሚኣቲዩ፡ ኮይኑ ድማ ከም ወትሩ እቲ ብርሃን ነቲ ጸልማት ስዒሩ፡ህዝቢ ኢትዮጲያ ናይ ባዕሉ ሓድሽ ወጋሕታፈጢሩ ይርከብ።

ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ ዘይተርፍ ናይ ቀረባ መጻኢ ተርእዮ ኢዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኩሎም እቶም ንፈልሲ ለውጢ ዘጠጥዑ ፍርያም መሬት ንዘርእን እቶትን ዘድልዩ ሰልስተ ረቛሒታት ተማሊኦም ኣለዉ።

  1. `ጎረቤትካ ጭሕሙ ኪላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ` ከምዝበሃል ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ዘተስፉ ናይ ለውጢ ሃዋህው ንህዝቢ ኤርትራ ብቐረባ ዝጸልዎ ኢዩ። ክንዩ ጽልዋ ብምኻድ እቲ ብመንእሰያት ኢትዮጵያውያን ዝተረጋገጸ ዓወት ንመንእሰያት ኤርትራ ህያው ምህሮን ተመኩሮን ኢዩ።ኣረጊት ብሓዲስ ብሰላም ኪትካእ፡  ልዕልና ውሑዳት ብልዕልና ብዙሓት ኪዕብለል፡ ልዕልና ሕጊ  ንሕጊ-ኣልቦነት ኪትክእ ዝኽእል ዕቑር ሓይሊ ህዝቢ ብግብሪ ተራእዩ።

ኪርሳዕ ዘይብሉ፡ ነቲ ነቕ ዘይብል ዝመስል ዘነበረ ስርዓት ሃይለ ስላሰን፡ ደርግን ብሓይሊ ሕዝቢ ኪፈርስ ከም ዝኽእል ነህዛብ ኢትዮጵያ ብግብሪ ዝመርሐ ህዝቢ ኤርትራ`ዩ። ሎሚ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኪንምሃር ተራና ኢዩ።

  1. ጉዳይ ምምልካት ዶብ ተባሂሉ ተበጊሱ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታትን ብድሕሪኡ ብርክት ዝበለሓቅታትንኣሎ። ኣብ ኢትዮጲያ ተኸሲቱ ዘሎ ለውጢ ስዒቡ መንግስቲ ዴሞክራስያዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጲያ ምምልካት ዶብ ብዘይቅድመ ኩነት ኪቕበል ሙኻኑ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ቅልጡፍን ዘይተሓስበን ኩነታት ስዒቡ ኣሎ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ነቲ ን16 ዓመት ሒዝዎ ዝጸንሐ ብዘይ ምምልካት ዶብ ዘተ የልቦን ዝብል ቅድመ ኩነት ራሕሪሑ፡ ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣብ ባድመ ዓስኪሩ እንዳሃለወ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምልኣኹዘስደምም`ኳ እንተዀነ፡ ዝድገፍ ኢዩ።  ድሒሩ ይረጋገጽ ከምዘሎ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ጉዳይ ምምልካት ዶብ ዘሀውኽ ከምዘይኮነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ቀዳምነቱ ንምርግጋእን ሰላምን ኢትዮጲያን ዞባዊ ውህደትን ሙኻኑን ብዛዕብኡ ብዝምልከት ኪዘራረብ ከምዝደሊን ተፈሊጡ ኣሎ።ጉዳይ ባደመ ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ መሪሕነታት ዝነበረ ምቅሕሓር ደኣምበር ጠንቂ ስለ ዘይኰነ፡ እዚ`ውን ዝድገፍ ኢዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ምምልካት ዶብ ኣብ ሞንጎ ክልተ ዝራዳድኡ ስርዓታት ኪትግበር እንከሎ፡ እቲ ምትካል ሽኻል ከስዕቦ ዝኽእል ምክልባት ንምውጋድ፡ ጠለብን ድሌትን ናይቶ ኣብ ዶብ ዘለዉ ክልቲኡ ኣህዛብ ዘርዊ ስምምዕ ምብጻሕ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ። ድምጺ ናይ`ቲ ግዳይ ዝዀነ ኣህዛብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክስማዕ ግቡእ ጥራሕ ዘኰነስ መሰል ኢዩ።

እዚ ንምምልካት ዶብን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ዘሎ ምዕባለታትን ከምቲ ንብዙሓት ዝመስለና ብሃንደበትን ሓደ ነቲ ሓደ ተኸቲሉ ዝውለድን ዝስዕብን ዘሎ ምዕባለታት ዘይኮነስ፡ ቅድመ ምርድዳእ እተገበረሉ፡ናይ ደገ ሓይልታት ዘማለድዎን ብጸቕጢ ዘረጋገጽዎን ጥሙር ውዕል ኢዩ። ኣብ ውሽጡ ናይ ወደብ፡ ናይ እገዳ ምልዓል፡ ናይ ንግድን ወፍሪን፡ ናይ ኢጋድን ቀርኒ ኣፍሪን ዳግመ ህዳሰ፡ናይ ረድኤትን ገንዘባዊን ደገፍ፡ናይ ኢማራት ናይ ዓሰርተታ ዓመታት ናይ ወደብ ኪራይ፡ ናይ ሕ፡መ፡ኣወተሃደራዊ መዓስከራት ምውዳን ወዘተ ዘጠቓለለ ዝርዝራት ዝሓዘ ሰነድ ኢዩ። ሰላም ቅድሚ ደሞክራሲ ዝሕመረቱ፡ ምውሳእ ኣህጉራዊ ሕብረተ-ሰብ፡ ነዚ ዘሎ ኵነታት ዝቕይር ክሳብ ዝዀነ ንረብሓና ኪኸውን እዩ።

  1. ንቕሓትን ፍልጠን ህዝብና ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ንፍትሒ ዝቃለስ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ሓደ ፖለቲካዊ ዕላማ ኪቃለስ ተቐሪቡ ኣሎ። እቲ ሰለስተ-ርብዒ ሚልዮን ኣብ ወጻኢ ተሰዲዱ ዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ቁጠባዊ ዓንደ-ሕቖ ናይ ሃገር ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ማዕሪኡ ፖለቲካዊ ተምኵሮኡን ፍልጠቱን ብቐጥታ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ጸልይዎ ኢዩ።

ክንዲዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ደጊም ከምቲ ህዝቢ ኢትዮጲያ ዝገበሮ ጉዳይ ሃገሩ ኣብ ሑቕፊ ኢዱ ከእቱ፡ሓደ ሰብኣይ ዝኹብኩቦ እኩብ ሰብ ሙኻን ገዲፉ፡ ንሱ ዝኹብኩቦን ንዕኡ ዝምእዘዝን መንግስቲ ከምጽእ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ልዕልና ሕጊን ቅዋማዊ ስርዓትን ብዘይምዱንጋይ ኪተኽለሉ ዝኽእል ለውጢ ከረጋግጽ ግድን ኢዩ።

ለበዋ

እዚ ለውጢ እዚ ኪረጋገጽ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ወጻኢን ዝርከብ ደላዩ ፍትሒ፡እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከም ሃገራዊ ግዴትኡ ጌሩ ክሰርሓሎም እላቦ።

  1. ንዝኾነ ንፍትሓዊ ለውጢን ደሞክራሲን ዝጽዕት ተቓውሞ፡ ድሕረባይትኡ፡ ኣቃውምኡ፡ፖለቲካዊ ዝምባለታቱ ብዘየገድስ ክሳብ ልዑላዊ ዝኾነ ምድጋፍን፡ ብሓባር ንምስራሕ ድማ ቁሩብ ምዃን።
  2. ምእንቲ ስልጣን ንምብሓት፡ ብሃይማኖታዊን ኣውራጃውን መስመራት ኪገዛዝዕን ከተፋንን ዝህቅን ትሕተ-ሃገራዊ ሓይሊ ወይ ውልቀ-ሰብ ኣትሪርካ ምቅዋን ምቅላዕን
  3. ሰላማዊን ዘይደማዊን ለውጢ ንምርርጋጽን ምጽዓር፡ ኩሎም ዝረጋገጹ ለውጥታት ብዝወሓደ ክሳራ ከምዝመጹ ንምግባር ምጽዓር
  4. ኩሎም ጻዕርታት ንሕጂን ንመጻእን ዘገልግሉ ዴሞክራስያዊ ዘርኢ ዝተኽሉ ሙዃኖም ምርግጋጽ፡ ኣብ እዋን መስርሕ ምስግጋር፡ ንሓጺር እዋን ስርዓት ዘትሕዝ ትርር ዝበለ ምእኩል ዴሞክራሲ ምህላዉ ተደላዪሙዃኑ ኣብ ግምት ምእታዉ
  5. ልዕልና ሕጊን ቅዋማዊ ስርዓትን ከይተተኸለ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መወዳእትኡ በጺሑ ክበሃል ከምዘይክእል ብምእማን ክሳብ ንሱ ዝረጋገጽ ቃልስና ምቕጻል።

ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋን መስዋእትን ዝኸፈለ ሃገሩ ናጽነታን ሓርነታን ብምልኣት ዘረጋገጸት ንኪትከውን ኢዩ። ህዝቢኤርትራ ረዚን ዋጋ ደቁ ዝኸፈለ ናይ ውሑዳት ሰባት ዘይኮነት፡ ናይ መላእ ህዝቢ ብልጽግትን ስምርትን ኤርትራ ንምውናን ኢዩ። ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመት ዝተኸስቱን ዝቕጽሉ ዘለዉን ዘሰክሑ ዓመጽ ብውሑዳትጉጅለብዝፈጸምዎ ምፍራስ ልዕልና ሕጊ ዝሰዓበ እኳ እንተኾነ፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ እውን ከምኡ እንዳኾነ ብዘርኣናዮ ብኩራት ተቓውሞ እንስከሞ ሓላፍነትን ዝፈጸምናዮ ጌጋን ኣሎ፡ ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ተመኩሮ ተማሂርና ንምእራሙን ንዘይምድጋሙን ክንጽዕር ይግባእ።

ከም ኩሎም ህዝብታት ህዝቢ ኤርትራ ለውጢ ይደሊ ኣሎ። ብሓቂ ድማ ህዝቢታት ኢትዮጲያ፡ ሶማል፡ ኬንያ፡ሱዳን መሰላቶም ክንፈጉ እንከለዉ ብሓባር ዝለዓሉ ተኾይኖም፡ እቲ ልዕሊ ዝኾነ ህዝቢ ንናጽነቱ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ህይወቱ፡ ዕድመ ሰለስተ ወለዶታቱ፡ ሰላሙ፡ መንዚዕዎ ንዘሎ ስርዓት ይኣክል ኪብለሉ ዘይክእለሉ ምኽንያት ከቶ የልቦን።

ዘለኣላማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ዓወትና ዘይተርፍ ኢዩ።

 

ዶር. ኣሰፋው ተኸስተ: ገዲም ተጋዳላይ ህግሓኤን: ኣቦ መንበር  ቦርድ ናይ ዳይረክተራት  መድረኽን ሃገራዊ ዘተን: ሓኪምን ፕሮፌሰር ናይ ኣህጉራዊ ጥዕናን ‘ዩ::

ዘይዋንነት:(Disclaimer) ደራሳይ ናይ ‘ዚ ጽሑፍ: ኣቦ መንበር  ቦርድ ናይ ዳይረክተራት ናይ መድረኽን ሃገራዊ ዘተን ይኹን እምበር እዚ ኣብ ‘ዚ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ርእይቶታት ይኹን ሓሳባት ናይ ዉልቁ ኮይኑ ንናይ ሃገራዊ መድረኽ ፖሊሲታት ይኹን መርገጺታት ዘንጸባርቕ ኣይኮነን። መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ወግዓዊ ፖሊሲ ይኹን መርገጺ ኣይወስድን ‘ዩ። ኣባላት ቦርድ ዘለዎም ሓሳባት ንኽገልጹ ነጻ ‘ዮም።

 

Print Friendly, PDF & Email

1 Comment

  1. Dear Dr. Asefaw,
    I must admit that I enjoyed reading your thoughtful and insightful analysis of the current development that has resulted from Dr. Abiy Ahmed’s initiative. The only missing vital point that I think is absent from your analysis is a pragmatic approach on how to channel the tremendous force in the Diaspora. I wish you also endorsed, as Weldeyesus Amar has done in the interview he gave with Zete TV of Minnesota, that the best strategy that can pave the way for all Eritreans in the Diaspora to play an active role in bringing about positive change in Eritrea is by getting organized at the grassroots level starting in every locality where there are critical mass of Eritreans, so that we can have an all inclusive grassroots based global leadership who can represent all justice-seeking Eritreans world-wide, speaking with one voice. Unless we can join hands together, it will be difficult if not impossible for Diaspora Eritreans to play a crucial role in bring about positive changes in our native land. I hope you support this global initiative.

    Araya Debessay

Comments are closed.