ብዕለት 18/05/2018 ኣብ ከተማ በርን ከባቢ 3000 ዘኾኑ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቁባ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላድ ከሙኡ,ውን ስዊዛውያን የዕሩኽ ዝርከብዎም: ኣብ ቅድሚ ቤተ ጽሕፈት ፈደርላዊ መንግስቲ ሰዊዘርላንድ (Bundesplatz) ብዓይነቱ ፍሉይ ዘኾነ ሰፊሕን ዕውቱን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ:: እዚ ሰልማዊ ሰልፊ ብኮሚቴ መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝተመደበ ኮይኑ: ምስ ተዳናገጽቲ ሰደተኛታት ዝኮኑ: ስቪክ ማሕበራት:Read More →

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዊዓ ብሰንኪ እምነተን ማለት ተኸተልቲ ጽንጠ ቆስጢ ብሙኻነን ተኣሲረን ዝጸንሓ ክልተ ደቀንስትዮ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊአን ዘጋጠመን ጾታዊ ዓመጽ ዓሪፈን። እተን ክልተ ደቀንስትዮ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊአን ዘጋጠመ ዓመጽ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ክገብራ ምጽነሐን ዝፍለጥ ኮይኑ  ብዕለት 12መጋቢት 2017  ኣብ ምድካመን ናብ ሆስፒታል ባጽዕ እካ እንተተወሰዳ ብዕለትRead More →

ናብ ስግረዶብ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ከባቢ ማህሚመት ምስ በጽሑ ብስለያ ምክትታል ዶባት ሰሜናዊ እዚ ኣብ ልዕሊኦም ብዝተኸፈት ቶኽሲ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲን ሓደ ትሕቲ ዕድመ ቆልዓን ሞይቶም። ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና፤ እቶም ንስግረ ዶብ ዝኸዱ ዝነበሩ ጉጅለ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ቶዮታ መኪና ኣብ ልዒልኣ ቶኽሲ ምስተኸፈተ ከምእተገምጠለት፤ ብኡ ንብኡ ድማ ሓንቲ ጓለንስተይቲን ሓደ ቆልዓንRead More →

ምእሳር ንገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ገዚፍ ንግዳዊ ስራሕ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። ብመሰረት ምንጭታት ሬድዮ መድረኽ  እቶም ሓለፍቲ ገንዘብን ንብረትን ኣለዎም ኢሎም ንዝገመትዎም ሰባት ብብዝሒ ይኣስሩ ፤ቀጺሎም  ነቶም ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕን ምኽንያትን ዝኣሰርዎም ሰባት ብመንገዲ ናይ ኣብያተማእሰርቲ መርመርቲ ጌሮም ይኽትክትዎም ምህላዎም ተሓቢሩ ። እቶም እሱራት ድሕሪ ብዙሕ ጸቕጢ ክወጹ ተኾይኖምRead More →

ኩባንያ ሓራትን ምኒስትሪ ሞጎዓዝያን መራኸቢታትን ኤርትራ ብጥሪ 12 2017 ናብ መንግስቲ ሱዳን ዘቕረቦ ፍቓድ ናይ ህዝቢ ሞጓዓዝያ ከምእተነጸገ ተሓቢሩ። እቲ ብሚንስትሪ መጓዕዝያን መራኸቢታትን  ኤርትራ ዝቐረበ ፍቓድ ናይ ሓባር ስራሕ ካብ ኤርትራ  ናብ ካብ ውሽጢ ሱዳን ናይ ምጉዕዓዝ መስርሕ ኮይኑ፤ መንግስቲ ሱዳን መልሲ ምሃብ ኣብዩ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 5 መጋቢት ናይRead More →

ኣብያተ ማእሰርታት  ኤርትራ ብፍላይ ድማ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ እሱራት ስለዝበዝሑ ማእሰርቲ ኣብ ክልተ እብረ (ሺፍት) ኮይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ። ገለ ክፋል ናይ ዓዲ ኣቤቶ ካብቲ ክሕዞ ዝኽእል ዓቕሚ እሱራት ዕጽፊ ስለዝሓዘ፤ እሱራት ገሊኦም 3 መዓልቲ ብዋሕስ ነጻ ወጺኦም ንምሕዳር ጥራይ ናብ ቤትማእሰርቲ ከምዝምለሱ፤ እቶም ካልእ ዕብረ ድማ ኣብቲ ካልእ ሰለስተRead More →

ኣብ ካርኒቫልን ናይ ኣይሮቢክስ ሳዕሲዕትን ምስታፍ ንዝኣበዩ ተመሃሮ ስድራቤቶም ሞቕነን መግቢ ኩፖን ኪኽልከሉ ሙኻኖም ተሓቢሮም። ባህላዊ ጉዳያት ሚኒስትሪ ትምህርቲን  ህግደፍ ዞባ ማእከልን ልዕሊ 700 ተማህሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት ዞባ ማእከል ኣብ ካርኒቫልን ናይ ኣይሮቢክስ ሳዕሲዕትን ክነጥፉ ክለኣኹ ብዝኣዘዝዎ መሰረት፤ ኣብ ቤት ትምህርቲ ባሕቲ መስከረምን ዳሉሉን ቤት ትምህርቲ ልምዓትን በዓል ናጽነት ‘ንምምዕራግ’ ታዕሊሞም ጀሚሮም ምህላዎምRead More →

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገራት ወጻኢ ናብ ኤርትራ ንዝጥረዙ መንእሰያት ልዑል ክንክን ከምዝገብር ንምርኣይ ዝዓለመ ምስሩሕ (staged) ኣኼባታት ኣብ ቅድሚ ወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት የካይድ። ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኤርትራ ንዝጥረዙ መንእሰያትናብ ዓዶም ምስኣተዉ መንግስቲ ኤርትራ ቀይሕ መንጸፍ ዘርጊሑ ከምዝቕበሎም ዘርኢ ኣኼባታት ኣብ ኣስመራ ኤክስፖ  ኣደራሽ  ቁጽሪ ክልተ ተወዲቡን ተኻይዱን። እዚ ድሕሪ ናይRead More →