ሃገራዊ ራኢ: ንትስፍው መጻኢ::

መድረኽ ሃገራዊ ዘተ

ሕረ-ባይታ

መድረኽ ብውሑዳት ተመሳሳሊ ተመኵሮ ዘሎዎም ግዱሳት ዜጋታት ብ2013 ተጀመሩ። መጀመርያ እቲ ሓያልን ድኹምን ጎድኒታት ናይ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ንምንዋሕ ምልኪ ዝደርኹ ናይ ውሽጥን ግዳምን ረቛሓታት ገምጊሙ። ኣብቲ ገምጋም ተመርኵሱ ንኹሉ ተቓዋሚ ዝጠምር ዝተሓተ ፖለቲካዊ ባይታ ኣለልዩ። ኣብ ሃገርና ብሰላም ለውጢ ንምምጻእ ዘቃላጥፍ ቅርጽን ትሕዝቶን ኣዳልዩ ድማ ንስራሕ ተበጊሱ። እቲ ዝተሓተ ጠማሪ ፖለቲካዊ ባይታ፡ “`ነዚ ንሃገርና ብሒቱ ንህዝብና ዘሳቒ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኣሊና፡ ኩሉ ዜጋ ብሰላም ዝነብረላ፡ መሰል ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ዝኸብረላ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገር ብነጻ ዝሳተፈላ፡ ብቅዋማዊ መንግስቲ እትመሓደር ኤርትራ ምቛም` ማለት`ዩ። ስልጣን ካብ ኢድ ውሑዳት ተመንጢሉ ንህዝቢ ምርካብ ቀዳማይ ዕላማ ናይ ኩሉ ንለውጢ ዝቃለስ ኤርትራዊ ውድብ ይኹን ወልቀ-ሰብ ስለ ዝዀነ።

(ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ብኽብረትኩም ኣብ ንኡስ ዓምዲ ብዛዕባ መድረኽ ተወከሱ)

 

منتدى الحوار الوطني الأرتري.

 توطئة :-
إنطلق منتدى الحوار الوطني الأرتري في العام 2013م  بعدد قليل من الافراد الوطنيين، ذوي تجربة متماثلة .

في البدء

قيم عوامل القوة والضعف الداخلية منها والخارجية التي تؤثر سلبا وإيجابا علي النظام الدكتاتوري، وبناء علي هذا التقييم تعرف علي الارضية السياسية اللازمة للإتفاق علي برنامج الحد الأدنى لقوى المقاومة الارترية كافة . وباشر مهامه بمفاهيم وهيكلية تعجل بالتغيير السلمي في بلادنا .

أن قواسم الارضية المشتركة والجامعة،هي إسقاط  النظام الإستبدادي الذي يعاني منه شعبنا ،وإقامة دولة المواطنة والتعايش بديلا عنه ،دولة يُحترم فيها حق كل مواطن في حرية المشاركة  بالحياة السياسية ، وبناء إرتريا التي تدار بالدستور . وأن مسألة إنتزاع السلطة من القلة التي تحتكرها وتسليمها للشعب هو الهدف الاول لكل التنظيمات السياسية المقاومة والأفراد الذين يناضلون من أجل التغيير .

 

 

Print Friendly, PDF & Email